Monday, March 25, 2013

ኣብ’ዚ ቅንያት ዝተኻየደ መበል 11 ጉባኤ ህወሓትን መረፃ መርሕነትን ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ዘሕዘነን መዘራረቢ ርእሲ ኮይኑ ከም ዘሎን ተገሊፁ፣

እቲ ብዉድብ ድረጃ ብዙሕ ምድላዉ ተጌርሉ ካብ ዕለት 08-11 መጋቢት 2005 ዓ.ም ንኣርባዕተ መዓልቲታት ዝተኻየደ ጉባኤ ህወሓት። ውፂኢቱ ንመላእ ህዝቢ ትግራይን ንኣብዛሓ ናይ’ቲ ዉድብ ኣባላትን ዘሕዘነ እንትኾን። ብፍላይ ከዓ እቲ ዓቕሚ ከም ዘይብሉ ብሰፊሑ ዝንገረሉ ኣባይ ወልዱ ኣቦመንበር ናይቲ ዉድብ ኮይኑ ዳግም ምምራፁ። ኣብቲ ዉድብ ዓቕሚ ዘለዎ ሰብ ከም ዘየለ ዘገንዘበን ብኡ ልክዕ ከዓ ዓቕሚ እቲ ዉድብ ኣዚዩ ኣንቆልቊሉ ከም ዘሎ ዘብረሀን እንትኾን። እቲ ባዕሎም ብዙሕ ዝዛረብሉ ምትኽኻእ ብሓቂ ምትኽኻእ ዘይኮነስ። ንይምሰል ዝግበር ምቕያር ሰባት እዩ ብምባል ህዝቢ ብሰፊሑ ይዛረበሉ ከም ዘሎ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
    ብፍላይ ከዓ እቶም ብድሌቶም ተሰናቢቶም ዝበሃሉ ዘለው ማእኸላይ መርሕነት ናይቲ ዉድብ እንትንርኢ። ኮነ ኢሎም ተግባሮም ተረድእዎም ኣቐዲሞም ካብ ናይ ህዝቢ ተሓታትነት ንምህዳምን ኣብ’ቲ ጉጅለ ኣጋጢሙ ካብ ዘሎ ኣፈላላይ ዝወሎዶ ምግምማዕ ንምርሓቕ ድኣ እምበር። ስልጣን ይኣኽለና ኢሎም ንመፃኢ ወሎዶ ከረክቡ ተበጊሶም ኣይኮኑን ዝብል ሓሳብ እቲ ካልእ  መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ከም ዘሎ  ካብቲ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ፣
   ኣብ መወዳእታ እቲ ሓበሬታ። ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ህወሓት ክገልፁ ኣብ’ቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ ገለ ወገናት ተሓቲቶም ከም ዝበልዎ። እዙይ እዩ ኔሩ ኢልካ ንኽትዛረበሉ ዘይርደኣካ ኮይኑ፤ ግን ድማ ብጣዕሚ ዘሐዝንን ተስፋ ዘቑርፅን ብምንባሩ ሃለዋት ህወሓት ዘብቀዐሉ ኣጋጣሚ ተዓዚብና ድሕሪ ምባሎም። ኩሉ ነገር ብተንኮል ዝተፃወደ ኮይኑ ነቲ ተሳታፊ ብሽም ሓደ ንሓሙሽተ ጎጃጂሎም። ኩሉ እቲ ዝተኻየደ ከይዲ መረፃ ኢ-ዴሞክራሲ ኔሩ ብምባል እቶም ተሳተፍቲ ንሽርሕን ዉድቀትን እቲ ዉድብ ኣብ ምቅላዕ ከም ዝርከቡ የረድእ፣
እቶም ብድሌቶም ተሰናቢቶም ዝበሃሉ 9 ኣባላት ማእኸላይ መርሕነት ህወሓት። 1. ስዩም መስፍን 2. ኣርከበ ዕቑባይ 3. ዘርኣይ ኣስገዶም 4. ብርሃነ ገብረክርስቶስ 5. ንጉሰ ገብረ 6. ሕሸ ለማ 7. መሰረት ገብረ ማርያም 8. ደስታ በርሀ 9. መንግስትኣብ ገብረኪዳን ምዃኖም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣