Monday, March 25, 2013

ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ሓደ ሚልዮንን ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕን ወገናት ብኣስገዳድ ካብ መረበቶም ከም ዝተፈናቐሉ ሁማን ራትስ ዎች ኣፍሊጡ፣



ሁምን ራይትስ ዎች ኣብ መግለፂኡ። ኣብ ኢትዮጵያ  ሓደ ሚልዮንን ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕን ወገናት ብሓይሊ ብትእዛዛ መራሕቲ ወያነ ተገዲዶም ካብ መረበቶም  ከም ዝተፈናቐሉን። ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝበፅሕ ዘሎ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰል ተኸታቲሉ ንዓለም ከፍልጥ ከም ዝፀንሐ ምስ ኣፍለጠ። እንተኾነ  ኣብ ስልጣን ዝርከብ መንግስቲ ነቲ ትካል ብምቕላል ተኸተልቲ  ኒው ሊበራልዝም እናበለ ነቶም  ክወፁ ዝፀንሑ ነቐፌታ ሓዘል መግለፂታት ከነኣእሶም ከም ዝፀነሐ ኣፍሊጡ፣
     ነቲ ብመንግስቲ ዝፍፀም ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ብባንክ ዓለም ብዝዋሃብ ገንዘብ ተሓጊዙ ምዃኑ ዝገለፀ ሁማን ራይትስ ዎች።   ነዚ ኣመልኪቱ ክልትኡ ትካላት ንምዝርራብ ባንክ ዓለም ዘውፀኦ መደብ ከም ዝተናወሐ ድሕሪ ምሕባር። ብወገን ሁማን ራይትስ ዎች ንፀገማት ህዝቢ  ኢትዮጵያ ንምፍታሕ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝበፅሕ ዘሎ  ምጥሓስ  ሰብኣዊ  መሰል ባንክ ዓለም ኣብ ግምት ከእትዎ ንዝሃቦ መግለፂ ዳግም ክምርምሮ  ከም ዝኾነ  እቲ ትካል ገሊፁ፣