Wednesday, March 27, 2013

ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ መብዛሕቲኦም ትሕቲ 5 ዓመት ህፃናት ብማይ ወለድ ሕማም ከም ዝሞቱ ዩ.ኒ.ሴፍ ኣፍሊጡ፣



ትካል ዩኒሴፍ ዓለም ለኸ ማዓልቲ ማይ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝቕንያት ኣብ ዘወፀኦ መግለፂ። ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ መብዛሕቲኦም ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናት ፅሬቱ ዘይሓለወ ማይ ሰለ ዝጥቀሙ ንሓደጋ ሕማማን ሞትን  ከም ዝተቃልዑ ብምግላፅ። ካብቶም ዝወለዱ ህፃናት እቶም 8 ሚኢታዊ ጥራሕ ፅሩይ ዝስተ ማይ ተጠቀምቲ ከም ዝኾኑ ሓቢሩ፣
   ናይ’ቲ ጉጅለ ትካል ዩኒሰፍ ሓላፊ ዝኾኑ ሳንጃይ ዊስኬራ ኣብ መግለፂኦም። እቲ ቅኑዕ ዝኾነ በዝሒ ፈሊጥና ካብዚኦም ክንደይ ዝኣኽሉ ከም ዝሞቱ ክንሕብር ይግባእ ብምባል ኣብ ዘረበኦም ኣብ ኢትዮጵያ 22% ትሕቲ 5 ዝኾኑ ህፃናት ብሰንኪ ፅሬቱ ዘይሓለወ ማይ ብምጥቃሞም ብዝኸፈአ ተቕማጥ ከም ዝሞቱ ሓቢሮም፣
  ኣብ መወዳእታ ኣብ ከባቢ ቤንሻንጉል ጉሙዝን ጋምቤላን እቲ ሞት ህፃናት ዝበኣሰ ከም ዝኾነን። ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ እንተኾነ’ውን እቲ ፀገም ይረአ ምህላው ድሕሪ ምግላፅ። ኣብ ስልጣን ብዝርከብ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝቐርብ ፀብፃብ ዝርገሐ ፅሩይ ዝስተ ማይ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ እንትነፃፀር ዝተጋነነ ምዃኑ ዩኒሴፍ ኣብ መግለፂኡ ኣብሪሁ፣