Wednesday, March 27, 2013

ኣብ ክልል ደቡብ ጥርዓኖም ከቕርቡ ናብ ትካላት መንግስቲ ዝኸዱ ዜጋታት ብፖሊስ ተዓፅዮም ከም ዝዋዓሉ ተፈሊጡ፣



ኣብ ክልል ደቡብ ወረዳ ቁጫ ዝተፈላለዩ ሕቶታት መሰል ንምስማዕ ዝወፁ ኣስታት 1000 ዝኾኑ ሰባት ብፖሊስ ታዓጊቶም ምውዓሎም ነበርቲ እቲ ከባቢ ንሚድያታት ገሊፆም፣
   ምስ ፍትሒ፤ ሰናይ ምምሕዳርን መሰልን ዝተታሓሓዘ ብርክት ዝበለ ሕቶታት ንዝሓለፉ 8 ዓመታት ከቕርቡ ዝፀንሑ ናይ ወረዳ ቁጫ ነበርቲ።  7 ወኪላቶም ስለ ዝተኣሰርዎም ብምቅዋም ብ13 መጋቢት 2005ዓ/ም ጥርዓኖም ንምቕራብ ኣብ ዝተኣኻኸብሉ ብፌዴራል ፖሊስ ተዓጊቶም ከም ዝዋዓሉ ዝገለፁ እዞም ግዳያት። ካብ ዉሽጦም ዝተኣሰሩን ደብዳብ ዝበፅሖምን ሰባት ምህላዎም ተፈሊጡ፣
   እዚ ፀገም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ዘሎ እኳ እንተኾነ። ኣብ ክልል ደቡብ ግና ብዝተጠናኸረ እናቐፀለ ዝፀንሐን ዘሎን ዝገለፁ ሓደ ተዓዛቢ ብወገኖም። እቲ ተቓውሞ ዝባኣሰ ሽማግለታት ኣብ ‘ሰላም በር’ ዝተኣሰሩ። ህዝቢ ተላዓዕሉ ኣለኹም ተባሂሎም እንትኾን። ብአጠቓላሊ ኣብ’ቲ ክልል ዘሎ ስእነት ሰናይ ምምሕዳርን ፍትሕን ተጋዲዱ ከም ዘሎ ወሲኾም ገሊፆም፣
   ሽማግለታት ዓዲ ስለ ምንታይ ይእሰሩ? ንጥርዓን ዝወፁ ሰባት’ከ ስለ ምንታይ ታዓጊቶም? ብምባል ሕቶ ዝቐረበሉ ናይ’ቲ ወረዳ ኣዛዚ ፖሊስ ሻለቃ ኣኒሳ። እቶም ሰባት ሕቶ ዘቕረብሉ መንገዲ ኣግባብ ዝተኸተለ ኣይኮነን ብዝብል ከም ዝተኣሰሩ እንትኣምን። ሰልፈኛታት ድማ ዝመፅሉ መንገዲ ግቡእ ብዘይምዃኑ እዩ ክብል ከም ዝመለሰሎም ሓቢሮም፣