ኣብ ስልጣን ዝርከብ መንግስቲ ኢህወዴግ ዝሓለፈ 12 መጋቢት 2005 ዓ.ም ኣብ
ጎደናታት ኣዲስ ኣበባ ዝመሓደሩ ካብ 740 ንላዕሊ ዝኾኑ ፅጉማት መናእሰይ። ኣብ ስድስት ኪሎ ኣብ ዝርከብ መእከቢ ማእከል
ንሓደ ማዓልቲ ምሉእ ኣኪቦም። ዝመፅእ ወርሒ ሚያዝያ ዝካየድ ናይ ኣዲስ ኣበባን ከባብን መረፃ ንዉድብ ኢህወዴግ ክመርፁ ከም
ዘለዎም ኣብ ዘካየድዎ ጎስጓስ። ንሓደ ተሳታፊ 100 ብር ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ናይ ምሳሕ፤ ቡናን ሻሂን ግብዣ ከም ዝተገብረሎም
ካብቲ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ነዞም ብሕሰም ናብራ ኣብ ማእኸል ጎደና ምዉዓሎም ምሕዳሮም ዝኾኑ መናእሰይ ኣብ
ዝኾነ ግዜ ቆላሕ ኢለምዎም ዘይፈልጡ መራሕቲ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘለዎም ሃጓፍ ተበሊፆም ብሓይሊ ገንዘብ
ድምፂ ዓዲጎም ብምፅናሕ። ኣብ እዋን መረፃ ብዓብላሊ ድምፂ ስዒርና ንምባል ዘካይድዎ ዘለዉ ምጉያይ። ካብቲ ብዙሕ ሻጥራት መረፃ
ወያነ ሓደ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ፣
ከም ገንዘብ ዝመሳሰሉን ህያባት
እናሃብካ ድምፂ ህዝቢ ምዕዳግ መስርሕ ከይዲ መረፃ ዘየፍቅዶ እኳ እንተኾነ። በዚ ዝተጠቐሰ ተግባሩ ዘይዓገበ ጉጅለ ስርዓት ወያነ
ኢህወዴግ ግና። ንቐፃሊ እዉን ምስ’ቲ ዝተኻየደ ናይ ስድስት ኪሎ ተመሓደርቲ ጎደና ዝመሳሰል ጎስጓሳት ኣብተን ዝተረፋ ከባብታት
ኣዲስ ኣበባ ከካይድ ምዃኑ ከም ዝተዛረቡ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ይገልፅ፣