ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መላእ ከተማታት ሃገርና ኢትዮጵያ መጠን ናህሪ
ዋጋታት ጣፍን ካልኦት ንወዲ ሰብ ዘድልዩ መሰረታዊ ጠለባትን መዓልታዊ ወሰኽ የርኢ ብምህላዉ። መላእ ሕብረትሰብ ሃገርና
ዕዳጋታት ዘይልከፍ ኮይንዎ ገንዘብ ሒዙ ጠለባቱ ንምምላእ ተፀጊሙ ከም ዝርከብ ሬድዮ ቪ.ኦ.ኤ ንግዳያት መሰረት ብምግባር
ኣቅሊዓ፣
ኣብ ስልጣን ዝርከብ መንግስቲ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝቕባበ ናብ 10 ሚኢታዊ
ከም ዝወረደ ይገልፅ እኳ እንተሎ። ብኣንፃሩ ብገለልተኛ ኣካላት ዝወፅእ ዘሎ መፅናዕታዊ መረዳእታት ግና ናህሪ ዋጋታት ዕዳጋ
ሃገርና በብመዓልቱ ይዉስኽ ከም ዘሎን። እቲ ናህሪ ድማ ናብ ልዕሊ 40 ሚኢታዊ ክብ ኢሉ ከም ዝርከብ እቲ ኣብዚ ቅናያት ኢፋ
ዝኾነ ሓበሬታ የረድእ፣
ሓንቲ ሽመን ክጥቀስ ፍቓደኛ ዘይኮና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነባርነተን ወናኒት
ቤት ምግቢ ምስ ቪ.ኦ.ኤ ኣብ ዘገብርኦ ቃለ ምልልስ ከም ዝበልኦ። ናህሪ ጠለባት ከምቲ መንንግስቲ ዘዉፅኦ መግለፂታት ዘይኮነስ
እኳ ድኣ ብኣንፃሩ ዋጋ ጠለባት ንምግብነት ዝዉዕል ኣእኻልን ጠለብ ሸቐጣትን በብግዝኡ ይዉስኽ ብምህላዉ። ብኡ ልክዕ ድማ ዋጋ
ምግብታት ክዉስኹ ብምግዳዶም ዓማዊሎም ኢግሮም ከሳሕቡ ይዕዘቡ ከም ዘለዉ ምብርሀን ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ብተወሳኺ ኣብዚ ሕዚ እዋን ወነንቲ ኣብያተ ምግቢ ናብርኦም ንምድፋእ ክብሉ
በቲ ሓደ ገፅ ዓማዊሎምም በቲ ካልእ ከዓ ፋይናንሳዊ ክሳራ ንኸበፅሖም ኣብ ሞንጎ ተቐርቂሮም ከም ዝርከቡ ብምረት ገሊፀን፣