Wednesday, March 27, 2013

ኣብ ከም መርኣያ መላእ ሃገርና ኣጋጢሙ ብዘሎ ጥሜትን ድርቅን ኣብ ክልል ዓፋር ዝርከቡ ህፃናት ብዋሕዲ ምግብን ጥሜትን እና ሞቱ ከም ዝርከቡ ተገሊፁ፣



ኣብ’ቲ ክልል ካብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጀሚሩ ዘጋጠመ ዝላዓለ ጥሜትን ሕፅረት ማይን  ህይወት ብርክት ዝበሉ ህፃናት  ንሞት ዝዳረግ ዘሎ ኮይኑ።  60 ሚኢቲ ካብ ዝኸውን ከባብታት ዓፋር ልዑል ዝኾነ ናይ ምግብን ማይን ሕፅረት እንተጋጠመ። እቲ ሽግር ኣብ ኩሉ ወረዳታት ኣስካሕካሒ ኮይኑ ኣብ ወረዳ እዳ ሽዱሽተ ህፃናት ኣብ ሓደ ወርሒ ውሽጢ እንትሞቱ። እዚ ኣሃዝ ካብ ሓደ ከባቢ ጥራሕ ዝተፀብፀበ እምበር ብጠቕላላ ኣብ’ቲ ወረዳ ብሓፈሻ ከዓ ኣብቲ ክልል ብዘጋጠመ ጥሜትን ሕፅረት ማይን ቁፅሪ ምውታት ኣማኢት ክበፅሕ ከም ዝኽእል ተወለድቲ እቲ ከባቢ ኣብ ምግላፅ ይርከቡ፣
   ሓደ ጀሪካን ማይ 60 ቅርሺ ንምግዛእ ምግዳዶም ዝገለፁ ሓደ ሽሞም ከይጥቀስ ዝደለዩ ነባሪ ወረዳ እዳ ብሰንኩ ከዓ ነበርቲ ኣግማሎምን ኣጣሎምን ስለ ዝተወደኦኦም ናብ አሳይታ ይግዕዙ ዘለዉ ኮይኖም። ካብቶም ዝግዕዙ አሳይታ ብሰላም ዝበፅሑ ገለ ብህይወት እንትተርፉ ካልኦት ህፃዉንቲ ዝርከብዎም ድማ ኣብ መንገዲ ከም ዝሞቱ እንትኾኑ። ኣብ ስልጣን ዝርከብ መንግስቲ እዚ ኩሉ ሓደጋ እንትበፅ ዝኾነ ሓገዝ ከም ዘይገበረሎም ዝገለፁ እዞም ነበርቲ። ኣብ ዝቕፅል እዋን ህፁፅ ሓገዝ ተዘይበፂሕዎም ዝኸፍአ ህልቂት ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣፍሊጦም፣    
   ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ምክያድ ናይ ዝርከብ ዉድብ ዓፋር ጋድሌ ኣቦ ወንበር ኮሎኔል ሙሃመድ አህመድ ንምድያታት ከም ዝገለፅዎ። ዝላዓለ ጥሜት ኣብ’ቲ ክልል ከም ዘጋጠመ ውድቦም ከም ዘፍለጠ እንትገልፁ። ብጀካ ኣብ ዓፋር ኣብ’ዚ ዓመት ኣብ ክልል ሶማልን ካልኦት ዝተፈላለዩ ከባቢታት አምሓራ፤ ደቡብን ኦሮሚያን ድርቂ ብሰፊሑ ህዝቢ የህልቕ ከም ዘሎ ዝወፁ ሓበሬታታት የረድኡ፣
   እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ ኣብ አዲስ አበባ ህፃናት ብሕፅረት ምግቢ ትምህርቶም ንምክትታል ከም ዝተፀገሙ ዘቃለዓ ሸገር ኤፍ ኤም። ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ኣታዊ ከም ዝተረኸበ ካብ ምግላፅ ተቖጡቡ ዘይፈልጥ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ። ኢትዮጵያ ብምግቢ ዓርሳ ከም ዝኸኣለት እንተመደረ’ውን ክሳብ ሕዚ ዝተራኣየ ለውጢ የለን፣
 ኣብ’ዚ ቀረባ ኢፋ ዝኾነ መፅናዕቲ ከም ዘመልከቶ ልዕሊ 7 ሚሊዮን ኢትዮጵያውያን ብምግቢ ንስራሕ  ተሓቚፎም ካብ ባንኪ ዓለምን ሕብረት አውሮፓን ብዝዋሃብ ስርናይ እናተደጎሙ እንትኾኑ።  ኣብ’ዚ ዓመት ሓገዝ ምግቢ ዝደልዩ ቁፅሪ ኢትዮጵያውያን ካብ ዝሓለፈ ከም ዝወሰኸ ሰብ ሞያ ይገልፁ፣