Monday, March 25, 2013

ኣብ ሃገርና ኢትያጵያ ለውጢ ፖለቲካ ክሳብ ዘይመፀ ዕብየት ክመፅእ ከም ዘይኽእል ጉጅለ ገበርቲ ሰናይ ገሊፁ፣



ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝምቕማጡ ወኪል ጉጅለ ለገስቲ ሃገራት ኣብ ዘወፀኦ ሪፖርት ከም ዝገለፆ። ኢትዮጵያ ናብ ማእከላይ እቶት ምሰ ዘለወን ሃገራት ክትስራዕ ዝብል ኣብ ስልጣን ብዘሎ ስርዓት ኢህወዴግ  ዝወፀ  ውጥን ዝድገፍ እኳ እንተኾነ። መሰረታዊ ለውጢ ፖለቲካ ክሳብ ዘይመፀ ግን ካብ ወረቐት ሓሊፉ ተግባራዊ ክኽወን ከም ዘይኽእል ኣተሓሳሲቡ፣
    በቲ ጉጅለ ዝወፀ መግለፂ ወሲኹ። ኣብ ኢትዮጵያ  ዕብየት  ክመፅእ እንተደኣ ኮይኑ። ትካላት ዴሞክራሲ  ብዘይ ዝኾነ  ፀቕጢ ከሰርሓን ክንቀሳቐሳን እንትኽእላን ከምኡ’ውን ህዝባዊ ተሳትፎ ዘለዎ ምሕደራ  እንትነግስ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር። ብመንግስቲ ዝወፁን ዝቐርቡን መረዳእታት እንተኾኑ እዉን ብቑዓትን ተኣማንነትን ክህልዎም እንተሎ እዩ ክብል ወሲኹ  ኣረዲኡ፣
    ኣብ መወዳእታ ለገስቲ ትካላት ንሃገራት ኣፍሪካ ካብ ዝምጥውኦ ሓገዛት። እቲ ዝለዓለ ሓገዝ ካብ ዝረኸባ ኢትዮጵያ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ እኳ እንተኾነት። ኣብ ስልጣን ዝርከብ መንግስቲ ዝዋሃቦ ሓገዝ ኣብ ምምሕያሽ ፖለቲካ ምንግስ ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ክንዲ ዘዉዕሎ  ብኣንፃሩ ኣብ ኢድ ወልቃውያን መራሕቲ ስለ ዝኣቱ እቲ ዕብየት ክረአ ኣይከኣለን ክብል ኣገንዚቡ፣