እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ። ምቁራፅ
ማይን ኤለትሪክን ኣብ ኩሉ ክፍለ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ ልሙድ ካብ ዝኸዉን ዓመታት ዘቑፀረ እኳ እንተኾነ። ኣብ ከባቢ ቤተ
መንግስቲ ዝርከቡ ነበርቲ ግና ክሳብ እዚ ቀረባ እዋን ዓመት ናብ ዓመት ተጠቐምቲ ኮይኖም ዝፀንሑ ኮይኖም። ኣብ’ዚ ሕዚ ግዜ
ግና ኣብ ሰሙን ሓደ ወይም ክልተ ግዜ ማይ ክረኽቡ ዝግበር ዘሎ እንትኾን። ኤሌክትሪክ ድማ ኣብ መዓልቲ ክልተ ሰለስተ ግዜ
ክጠፍእ ይግበር ብምህላዉ ንብረቶም ይቃፀሎም ከም ይገልፅ፣
ብፀገም ማይን ኤሌትርክን ዘንፀርፅሩ ዘለዉ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ፍታሕ
ክግበረሎም ብተደጋጋሚ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ጥርዓኖም ኣብ ዘስምዕሉ። ጥርዓን ህዝቢ ክረአ ከም ዘለዎ ናብ ላዕለዎት ሓላፍቲ
እቶም ታሕተዎት ኣካላት ሓሳቦም ኣብ ዘቕርብሉ። እቲ ምቁርራፅ
ማይን ኤለትርክን ነባሪ ህዝቢ ንዓመታት ተለማምድዎ ስለ ዘሎ ካብ ንግዝኡ ምምራር ሓሊፉ ምንም ክገብሩ ኣይኽእሉን ዝብል ንዕቐት
ዝተመልኦ ምላሽ ይዋሃቦም ከም ዘሎ ካብቲ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ፣
ብፍላይ ፀገም ማይ ክፃወርኦ ከም ዘይከኣላ ዝተዛረባ ነባሪት ኣዲስ
ኣበባ ዝኾና ወ/ሮ በለጡ ቅድሚ ሕዚ ኣብቲ ሓደ መንደር ማይ ተጠፊኡ ካብ ካልእ መንደር ማይ ብምግዛእ ፀገመን ይፈትሓ ከም ዝነብራ ምስ ኣዘኻኽራ። ሕዚ ግና ኣብ
ቀረብኦም ዝርከቡ ኩሎም መንደራት ብሓባር ክጠፍእ ይግብር ስለ ዘሎ ህይወተንን ህይወት ስድርአን ንምዕንጋል ኣዚየን ከም
ዝተሸገራ ኣገንዚበን፣
ነቲ ዘጋጥም ዘሎ መዓልታዊ ምቁራፅ ማይ ሽሞም ክጥቀስ ዘይደለዩ ኣብ ኣዲስ
ኣበባ ቤት ፅሕፈት ማይን ፈሳስን በዓል ስልጣን እንተብርሁ። ፓምፖታት ማይ ብኤሌትሪክ ሓይሊ ዝንቀሳቐኡ ብምዃኖም ኤሌክትሪክ
እንትቋረፅ ማይ ክቋርፀ ግድን እዩ እዚ ድማ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ብምዃኑ ዘይኮነ ሸለልትነት ዝወለዶ ኮይኑ እቲ ፀገም ናይ በዓል
ስልጣን ማይን ፈሳስን ዘይኮነስ ምስ ኮርፖሬሽን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝተኣሳሳረ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም፣