እቲ ተወዳደርቲ ዉድባት ኣብ ዘይብሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ወረድታትን ዝካየድ ምስሉይ መረፃ ንምምራፅ
ዝተመዝገበ ቁፅሪ መራፂ ካብ ዝተገምተ ንታሕቲ ብምውራዱ
ዝተደናገፀ መንግስቲ። ካብ ከተማታት ክልል ናሃቱ ደገፍቲ ኣባላት ኣምፂኡ ኣብ’ቲ መረፃ ክሳትፍ ቅድመ ምድላዉ ብምዉጋን። ነዚ
ድማ ካብ ክልል ዝመፁ መረፅቲ ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከቡ መሰልጠኒ ጣቢያታት ኣብ መፃኢ ወርሒ
ሚያዝያ ዝካየድ መረፃ ብኸመይ ድምፂ ከም ዝህቡ ምሉእ ስልጠና እናተዋሃቦም ምዃኑ ተፈሊጡ፣
ኣብ ንፋስ ስልክ ክፍለ ከተማ ላፍቶ
ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ነፃነት 600 ዝኾኑ ሰልጠንቲ። ቴክኒካዊ ኣብ ዝኾኑ ነገራት ዘተኮረ ስልጠና ዝተዋሃቦም እንትኾን።
ኣብ ናይ መረፃ ማዓልቲ ናብ አዲስ አበባ እንትመፁ ድንግርግር ከይብሎም አድላዪ ትምህርቲ ከም ዝተማሃሩ ኣብ’ቲ ስልጠና
ዝተሳተፈ ሓደ ኣባል ኢህወዴግ ኣብ ዝሃቦ ሚስጢራዊ ሓበሬታ ገሊፁ።
ብጠቕላላ
ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝተዋሃበ ስልጠና ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ዝኾኑ ካብ ክልላት ተውፃእፂኦም ዝመፁ አባላት እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ
ውድብ ዝተሳተፉ እንትኾኑ። ኣብ ዝቕፅል ተኸታታሊ ዙራት ስልጠና ድማ ካልኦት ሓደሽቲ አባል ከም ዝስልጥኑ ካብ’ቲ ዝተአኸበ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣