Friday, May 31, 2013

ብ12 ግንቦት 2005 ዓ/ም ኣብ ከተማ ጎንደር ንጓል ትሻዓተ ዓመት ዝዓመፀ ጥርጡር ገበነኛ፣ ዝምጥን ፍርዲ ስለ ዘይተዋሃቦ ህዝቢ ተቓውምኡ ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከብ ተገሊፁ።



እቲ ሰላማዊት ካሳ ንዝተባሃለት ጓል ትሻዓተ ዓመት ትሕቲ ዕድመ (ህፃን) ኣገዲዱ ብምዕማፅ ተሰዊሩ ዝፀንሐ መሓመድ ኑሪ ዝተባሃለ ጥርጡር ገበነኛ፣ ድሕሪ ብዙሕ እዋናት ተሓቢኡ ምፅንሕ ብምትሕብባር ህዝቢ እኳ እንተተትሓዘ ናብ ቅድሚ ሕጊ ምስ ቀረበ ንሽዱሽተ ዓመት ክእሰር ዝተዋሃቦ ፍርዲ፣ ትኽክል ከም ዘይኮነን ሕጊ ብዝእዝዞ መሰረት ዘይኮነ ተፈሪዱ  ብጉቦን ግብረለይ ክገብርልካን እተገበረ ፍርዲ ስለ ዝኾነ፣ መላእ ህዝቢ እቲ ከባቢ ከም ዘይተቐበሎን ተቓውምኡ ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከብን ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ዉሳነ ኣብያተ ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት ዓንቀፃት ገበነኛ መቕፅዒ ሕጊ ብዝብሎ ዘይኮነ፣ ደያኑን ዓቀብቲ ሕጊን ምስ ፖላዊስ ተኣሳሲሮም ካብ ተኸሰስቲ ብላዕ ብምቕባል ዘይተኣደነ ሃፍቲ ንምኽዕባት ክነብሩ ዝገብር ፍርዲ ክዋሃብ ብተደጋጋሚ ኣብ ቅድሚ ዓይኒና ንዕዘብ ኣለና ብምባል ህዝቢ ከተማ ጎንደር ኣብ ምቅዋም ከም ዝርከብ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።

 ኣብ መወዳእታ ጉዳይ ፍትሒ ኣብ ልዕሊ ሕብረትሰብ ምዝብዑ ዘስዕቦ ዘሎ ጉድኣት ዘይታዮም ሰበ ስልጣን ወያነ-ኢህወዴግ፣ ነቲ ብህዝቢ ጎንደር ዝተላዓለ ተቓዉሞ ፀማም እዝኒ ብምሃብ ኣብቲ ንዕኦም ዘገድሶም ጅቦኦም ዝመልእሉ ሕሱር ተግባራት ኣተኲሮም ምቕፃሎም ነቲ ዝተላዓለ ተቓዉሞ የጋድዶ ከም ዘሎ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ወሲኹ  ይገልፅ።