Friday, May 31, 2013

ጉንበት 20 ንዓና ኢትዮጵያዉያን ከምቲ ዝተፀበናያ ዘይኮነትስ ብኣንፃሩ ጭቖና ሒዛትልና መፂኣ ክብል ኣቦ ወንበር ዉድብ ዴምህት ተጋዳላይ ሞላ ኣስገዶም ኣብዚ ሰሙን ምስ ኢሳት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ገሊፁ።





ኣቦ ወንበር ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴምህት/ ተጋዳላይ ሞላ ኣብቲ ዘካይዶ ቃለ መጥይቕ፣  ጉንበት 20 ንዜጋታት ኢትዮጵያ ነፃነት ዘይኮነት ፀልማት ዘመን ኢያ ኣምፂኣ ምስ በለ፣ እቶም ን20 ጉንበት ተበሊፆም ስልጣን ዝተቖፃፀሩ መራሕቲ ኢህወዴግ ነቲ ን17 ዓመት ለዉጢ ክረክብ ዝተቓለሰ ህዝቢ ዋግኡ ክረክብ ብተግባር ሰሪሖም ስለ ዘይፈልጡ፣ ብዘይካ ኣብቲ መጀመርያታት ዝኣትውዎ ዝነበሩ መብፅዓታት። “ዝኾነ ሰብ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ ክምገብ እዩ፤ ዴሞክራሲ ክሰፍን እዩ ወዘተ ዝብል ዘረባን ዝተወሰነ ጭላንጭልን እንተዘይ ኮይኑ፣ ብድሕሪኡ ዘሎ ዝሓለፈ 22 ዓመታት ዘመነ ስልጣኖም ቀሊል እዋን እኳ እንተዘይተባሃለ፣ ንህዝቢ ዝረብሕ ተግባራዊ ስራሕ ክይሰርሑ እዮም ኣሕሊፈሞ  ክብል ኣብ’ቲ ዘካየዶ  ቃለ-መጠይቕ  ኣረዲኡ።
ኢህወዴግ ብተግባር ዝሰርሕ መንግስቲ እንተዝኸውን ኔሩ፣ ይትረፍ ን22 ዓመት ኣብ ስልጣን ዝፀነሐ መንግስቲ፣ ኣብ ዉሽጢ ሓሙሽተ ዓመት እዉን እንተኾነ ብዙሑ ነገር ኣብ ፖሎቲካዊ፤ ኢኮኖምያዊን ማሕባራውን  ዝሓሸ ለዉጢ ከምፅእ ምኸኣለ። እንተኾነ ግና ኢህወዴግ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅእ ዝተረኣየ ለዉጢ የለን። እኳ ድኣ ህዝብና ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ መዓልቲ ስለስተ ክልተ ግዜ ምምጋብ እሞ ይትረፍ ነታ ንሓንቲ ግዜ ተሓሪምዎ። ኣብ ልዕልኡ መቋረፂ ዘይብሉ ክብሪ መነባብሮ ተወሲኽዎ ዕለታዊ ህይወቱ ምምራሕ ዝተፀገመ እቲ መፍረያይ ዓቕሚ መንእሰይ ይኹን ሰራሕተኛ መንግስቲ መረበቱ ራሕሪሑ ዉሕስነት ብዘይብሉ ሰሃራ በረኻን ባሕሪን ኣቋሪፁ ክስደድ ኣደዳ ዘይተደለየ ስቓይን ሞትን ይኸዉን ከም ዘሎ ገሊፁ።
ኣስዒቡ ተጋዳላይ ሞላ፣ ኣብ ስልጣን ዝርከብ መንግስቲ ኢህወዴግ ብመረፃ ተወዳዲርካ ስልጣን ምሓዝ ከም ዝካኣል ዝነዝሖ ወረ፣ ፕሮፖጋንዳ ካብ ምዃን ሓሊፉ ብፍፁም ዘይትግበር ሓሶት ምዃኑ ዉድብና ዴምህት ካብ መጀምርትኡ ስለ ዝኣምን። ነዚ ብሰላም ስልጣኑ ንህዝቢ ዘየረክብን ንህዝብና ጨፍሊቑ ዝመርሕን ዘሎ እምባገነን ስርዓት ካልእ መማረፂ ክሳብ ዘየለ ግድን ብሓይሊ ንምዉጋድ ዝወሰድናዮ መማረፂ ቅኑዕ ኮይኑ፤ እነሆ ድማ ዉድብና ኣብ’ዚ ሕዚ ግዜ ብኹሉ ዓቕምታቱ ነቲ ስርዓት ንምግጣም ኣብ ዘተኣማምን ብርኪ በፂሑ ይርከብ ኢሉ።
ኣቦ ወንበር ዴምህት ተጋድላይ ሞላ ኣብ ቃለ መጠየቑ ወሲኹ እንትገልፅ። ንሕና ማለት ዉድብና ዴምህት ህዝቢ ትግራይ ብ20 ጉንበት ተረባሒ እዩ ዝብል ዝተዛበዐ ርድኢት ገለ ዉልቀ ሰባት ብምእራም፣ ሓንትን ምዕብልትን ዜጋታታ ብማዕረ ተኻፈልትን ተረባሕቲ ሃፍቲ ሃገሮምን ዝኾኑላ ኢትዮጵያ ንምምፃእ ኣብ ፕሮግራምና ኣነፂርና ጥራይ ዘይኮነ፣ ብተግባር ንምስናይ ብረትና ኣልዒልና ንቃለስ _ ዘየወላወል ዕላማ ዘለና ምዃና ዝኾነ ሰብ ክፈልጥ ይግባእ ክብል ኣገንዚቡ።
ብምዃኑ ‘ዉን ዉድብና ዴምህት ንስልቲ ቃልሲ ክጥዕም ብብሄርና ደኣ ንወደብ እምበር፣ ዕጥቃዊ ቃልስና ንሓንቲ ዴምክራስያዊት ኢትዮጵያ ክሳብ ዝኾነ ኣብ ዉሽጥና ካብ ኩሉ ብሄር ብሄረ ሰባት ሃገርና ዝተሰለፉ ተቓለስቲ ዜጋታት ዝሓቖፈ ሰፊሕ ራኢ ዘለዎ ዉድብ ምዃኑ ገሊፁ።
ኣብ መወዳእታ ተጋዳላይ ሞላ። ኣብ ብረታዊ ቃልሲ እኹል ሓይሊ ሰብን ዕጥቅን ጥራሕ ምህላዉ ኣብ ዓወት ኣየብፅሕን ድሕሪ ምባሉ። እቲ ሓይሊ ሰብን ዕጥቅን ኣብ ዘለዎ ኮይኑ፤ ልዕሊኡ ንኽትስጉም ካብ ፀላኢኻ ዝሓሸ ወተሃደራዊ ዓቕምን ፀብለልታን ክህልወከ ኣለዎ፣ እዚ ድማ ጌርናዮ ኢና ምስ በለ። ብምዃኑ ድማ ዴምክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴምህት/ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ስልጣን ንዝርከብ ውልቀ መላኺ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ንምእላይ ዘድሊ ዓቕሚ ወኒና ኣለና። ህዝቢ ኢትዮጵያ ነዚ ተረዲኡ ካብኡ ዘድሊ ዘበለ ኹሉ እጃሙ ከበርክት ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።