ብመሰረት እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ፣ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ወልቃይት ጣብያ
ማይ ጋባ ይስራሕ ናይ ዘሎ ፋብሪካ ሽኮር ኣካያዲ
ስራሕ ኣይተ ፀጋይ ፍትዊ፣ ብሃፍቲ ህዝብን መንግስትን ተዓዲጉ ንመህነፂ እቲ ፋብሪካ ሽኮር ተባሂሉ ዝተዋሃቦ ዓብይቲ ንብረት፣
ንውልቀ ረብሓኡ ከወዕሎ ብምሕሳብ ብ8 ግንቦት 2005 ዓ/ም ካብ’ቲ ዝስራሕ ዘሎ ትካል ብመኪና ፂዒኑ ከውፀኦ ሰራሕተኛታትን
ህዝቢ እቲ ከባብን ተሓባቢሮም ኢድ ብኢድ እቲ ዝስረቖ ንብረትን ገበነኛን ሒዞም ናብ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከም ዘረከብዎ ኣረዲኡ።
እንተኾነ ግና እቲ ገበን እናፈፀመ ምስ እግዚቢቱ ዝተተሓዘ ኣካይዲ
ስራሕ ናይ’ቲ ዝስራሕ ዘሎ ትካል ዝኾነ ዉልቀ ሰብ፣ ብዘለዎ ስልጣን ተጠቕሙ ምስ ኣዘዝቲ ፖሊስ ብምምሕዛዉን ዘይተኣደነ ጉቦ
ብምሃብን ንሓንቲ ለይቲ እዉን ትኹን ከይተኣሰረ ብዘይ ወዓል ሕደር ጉዳዩ ከይተፃረየ ብምልቃቖምን ነባራይ ህዝቢ ብግዕዙይ
ተግባራት እቶም ኣዘዝቲ ተቖጢዑ ከም ዝርከብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።