ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦን ከባብኣን ዝርከቡ
ዜጋታት፣ ምስ ውድብ ዴምክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴምህት/ ርክብ ስለ ዘለኩም፣ መንገዲ ትመርሕዎምን ምግብን ማይን
ትተሓባበርዎም ኣለኹም እናበሉ መራሕቲ ስርዓት ወያነ ዘዋፈርዎም ካድረታትን ኣባላት ፀጥታን የፈራሕዎምን የከላብትዎምን ከም
ዘለዉ ካብ’ቲ ከባቢ ዝበፅሐና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቶም ብዘይካ ሕርሻ መሬቶም ካልእ ፖለቲካ ዘይፈልጡ በቲ ስርዓት
ተዓፊኖም ዝርከቡ ንፁሃት ወገናት፣ ምስ ዴምህት ርክብ ኣለኩም ብዝብል መፀልምታ ብ5 ግንቦት 2005 ዓ/ም ካብ መንበሪ ገዝኦም
ብሓይልታት ፀጥታትን ካድረታትን ካብ ዝተጨውዩ ነበርቲ ኣይተ ነጋሲ ዮሓንስ ዝርከብዎም ሰለስተ ሰባት እንትኾኑ፣ ክሳብ ሕዚ
ወሲዶም ኣበይ ከም ዘእተዉዎም ከም ዘይተፈለጠ ንቤተ ሰብ ግዳያት መሰረት ብምግባር እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።
ዝርገሐ ምንቅስቓስ ውድብ ዴምህት
ልዕሊ ማንም እዋን ካብ ኩሉ ከተማታትን ገጠራትን ትግራይ ሓሊፉ ኣብ መላእ ሃገርና ምስፍሕፍሑ ዝተገንዘቡ ስበ ስልጣን ስርዓት
ወያነ፣ ኣብ ዉሽጦም ከቢድ ስግኣትን ወጥርን ፈጢሩ ድቃስ ስለ ዝኸለኦም፣ ነዚ ንምግታእ ንዝረኸብዎ ሰብ ኣባል ደምህት ኢኻ ብምባል
ግዳይ እከይ ተግባሮም ይገብርዎ ከም ዘለዉ በብእዋኑ ክበፅሓና ዝፀንሐ ሓበሬታ የረድእ።