Monday, May 27, 2013

ኣብ ወረዳ ከተማ ሸራሮ ኣብ’ዚ ሰሙን ብኣመሓዳሪ ኣይተ ጥላሁን በርሀ ዝምራሕ ናይ ኣባላት ዉድብ ህወሓት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ነባሪ ህዝቢ ገንዘብ ክኸፍልን ንምንቅስቓስ ዴምህት ንምዕጋት ዝቐረበ ዛዕባ ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ ተሓቢሩ።



     ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ከተማ ሸራሮ ካብ 12 ክሳብ 14 ግንቦት 2005 ዓ.ም ብኣመሓዳሪ እታ ወረዳ ጥላሁን በርሀ ዝምራሕ ኣኼባ ኣባላት ዉድብ ህወሓት መዛተይ ርእሲ ኮይኖም ካብ ዝቐረቡ ኣጀንዳታት።-
  ነባሪ ህዝቢ ከተማ ሸራሮ ብመንግስቲ ተተሚኑ ዝቐረበሉ ግብሪ ገንዘብ ክንዲ ዝኾነ ይኹን ንምንታይ ብዘይተቓዉሞ ዘይኸፍል? ሕዚ’ዉን ዝቕየር ነገር ከም ዘየለ ፈሊጥኩም ንኹሉ ህዝቢ ብፍላይ ድማ እቲ በዓል ሃፍቲ ነጋዳይ ኣብ ክንዲ ምቅዋም ዝተበሃሎ ክኸፍል ኣብ ምግባር ንስኹም ኣባላት ህወሓት ዝካኣለኩም ጎስጓስ ኣብ ዝረኸብኩሞ ኣጋጣሚታት ክተካይዱ ዘይምኽኣልኩም። ካብዚ እዋን ጀሚርኩም ግቡእኹም ተዋፅኡ ክብል ሓይልን ፀቕጥን ዝተመልኦ መደረ ኣብ ዘስመዓሉ እዋን፣ ተኣከብቲ ብወገኖም ህዝቢ ሸራሮ ፍትሓዊ ኣሰራርሓ መንግስቲ ተሓሪምዎ  ለዉጢ ይደሊ ኣሎ፤ ገንዘብ ምእካብ ድማ ንሰራሕተኛታት ኣከብቲ ግብሪ እምበር ንዓና ኣይምልከትን ክብሉ ብሓደ ድምፂ ከም ዝነፀግዎ ተፈሊጡ። 
    ካልእ ከም ቀንዲ ርእሲ ኮይኑ ዝቐረበ፤ ዉድብ ዴምህት ዓቕሙ ልዕሊ ማንም እዋን ዓብዪ ምስ ህዝቢ ሰፊሕ ርክባት ብምምስራት ተቐባልነት ከም ዘለዎ ብተግብር ዝረአ ዘሎ ጉዳዩ እዩ። ነዚ ዘረጋግፀልና እዉን ካብ ሰዓብቱ ብዝለኣኽ ሓበሬታ መዓልታዊ ኣብ’ዛ ከተማ ዝተፈፀመ ኩሉ እሩይ ብቑፅር ብዜና የመሓላልፎ ኣሎ። እዚ ድማ ዉፅኢት ድኽመት ኣባላት ህወሓት ምዃኑ። ነቲ ብዴምህት ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ንምድራቕ፤ ኣብ ከተማ ሸራሮ ብዝርከቡ መንገድታት ንዝኣትውን ንዝወፁን ሰባት፣ ነባሪ ህዝቢ ብንቕሓት ከባቢኡ ክቆፃፀርን ክሕሉን ኣብ ምግባር ናህትኩም ተራ ንፅበ ኣለና ኣብ ዝበለሉ ግዜ፤ እቶም ተኣከብቲ ኣባላት ህወሓት ግና ምሕላዉ ንስሩዕ ወተሃደራት እምበር ንስቪል ህዝቢ ብፍፁም ዝምልከት ኣይኮነን ብምባል ኣንፃራዊ መልሲ ብሓደ ድምፂ ብምሃቦም፣ እቲ ኣኼባ ብዘይ ፍረ ከም ዝተበተነ ካብ’ቲ ቦታ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
   ምስዚ ብዝተኣሳሰረ ኣብ ዓዲ ፀፀርን ቢያራን ዝርከቡ ጓሶት ምስ ዴምህት ርክብ ኣለኩም ብዝብል ኣብ ዘይሕጋዊ ቦታ ተኣሲሮም ብበትሪ ይቕጥቀጡ ከም ዘለው፣ ከምኡ’ዉን ካብ ክፍለ ሰራዊት 33 ሬጅመንት 2 መዝነት ይዉሕደና ኣሎ ኢሎም ዝሓተቱ ብርክት ዝበሉ መኮነናት፤ ምስ ዴምህት ርክብ ኣለዎም እናተበሃሉ ይእሰሩ ዘለዉ እንትኾን፤ ካብ’ኦም ሓደ ሓለቓ ሓምሳ ግርማይ ታረቀ ዝተበሃለ ብ3 ግንቦት 2005 ዓ.ም ብለይቲ ጨውዮም ኣበይ ከም ዘሕቐቕዎ ክፍለጥ ከም ዘይተኸኣለ ተሓቢሩ።