ብመሰረት እቲ ሓበሬታ። ኣብ ዞባ ሰሜናዊ
ምዕራብ ትግራይ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ መብዛሕትኡ ኣብ ቀበሌ
03 ዝተወሰነ ድማ ኣብ 02 ንዓመታት ክነብርሉ ዝፀንሑ ልዕሊ
173 ናይ ህዝቢ መንበሪ ኣባይቲ። ላዕለዎት መራሕቲ ስርዓት ወያነ ብዘዉረድዎ ትእዛዝ ኣብዚ ቅንያት ብዶዘር ክፍርስ ዝተገብረ
እንተኾን። ኣብዝሓ ህፃናትን ሽማግለታትን ዝርከብዎም ልዕሊ 80
ዝኣኽሉ መራሕቲ ስድራ ምስ ንብረቶም ኣብ ማእኸል ጎደና ወፅዮም ብፀሓይን ቁርን ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣
እቶም ግዳያት ጉቡእ ካሕሳ ይኹን መተካእታ ቦታ ከይተዋሃበና ካብ
መንበሪ ገዛና ኣይንወፅእን ብምባሎም። ዕጡቛት ናይቲ ስርዓት ብሓይሊ ከዉፅእዎም ኣብ ዝፈትንሉ ኣንፃሮም ኣብ ዘካየድዎ ናዕቢ
ክሳብ ሕዚ ቁፅሮም ብዕሊ ዘይተፈልጡ ዝተቐጥቀጡን ዝተኣስሩን ወገናት ከም ዘለዉ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ገሊፁ፣
ቅድም ክብል ኣብ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ 20
ብ20 ብዝብል መሬት ህዝቢ ሕጋዊ ገዝኡ ተመንጢሉ ካብ መንበርኡ ክፈናቐል ከም ዝተገብረን። ብሰንኩ ብዝተወለዐ ተቓዉሞ ሕብረሰብ
መፍትሒ ብዘይምርካቡ። ኣብ ህዝቢ ቁጠዐ ከመዘልዓለን ይቕፅል ከም ዘሎን ገልፅና ምንባርና ይዝከር፣