ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ ወረዳ ጃዊ ዝነብሩ ብሕርሻ ዝመሓደሩ ሓርስቶት
ንዘመናት ብሕጋዊ መንገዲ ተዋሂብዎም ክጥቀምሉ ዝፀንሑ ናይ ሕርሻ መሬት፣ ኣብቲ ከባቢ ብዝርከቡ ሰበ ስልጣን ስርዓት
ወያነ-ኢህወዴግ ዝቐረበ ዘመናዊ ድኹዒ ብዝተባሃሎም ዋጋ ዓዲጎም
ክወስዱ፤ ተዘይኮይኑ ሕርሻ መሬቶም ተመንጢሉ መዳብርያ ንዝዕድጉ ሰባት ክዕደል ምዃኑ ብመምርሒ መልክዕ ከም ዝተነገሮም ንነበርቲ
መሰረት ብምግባር ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣፣
እቶም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ብዘለዎም ሓላፍነት ተጠቕሞም ንሓረስቶት
ብምፍርራሕ ኣብ ዘይተደለየ ዕዳ ኣዉዲቖም ንባዕሎም ንምኽሳብ ካብ ዘለዎም ክቱር ድሌት ዝነቐለ ምኳኑ ህዝቢ ኣቐዲሙ ሰለ
ዝነቓሓሎም መዳብርያ ንኽወስድ ዘካየድዎ ተደጋጋሚ ኣኼባታት ክሰልጦም ከም ዘይከኣለ ተፈሊጡ፣፣
በዚ
ክሰልጦም ዘይከኣሉ ኣመሓደርቲ፣ መሬት ናይ መንግስቲ’ምበር ናይ ዉልቀ ሰብ ስለ ዘይኮነ፣ ብመንግስቲ ዝበሃሎ ሰሚዑ ኣይቅበልን
ዝበለ። ሕርሻ መሬቱ ተመንጢሉ ምምሕዳር ንዝመሰሎ ሰብ ክዕድሎ ከም ዝኽእል ካብ ዋና ኣመሓዳሪ ናይቲ ዞባ ኣይተ ባዘዘዉ ጫነ
መምርሒ ሰለ ዝወረደ፣ ሓረስቶት እቲ ከባቢ ዋጋ መዳብርያ ብተዓፃፃፊ ምዉሳኹ ብተደጋጋሚ ንዘስምዕዎ ሕቶ ሰማዒ ኣካል ስለ
ዘይረኸበ፤ ህይወት ስድርኦም ንምዕንጋል ክብሉ ተገዲዶም መንግስቲ ብተዘዋዋሪ ካብ ዝዘርገሐን ኣትረፍቲ ትካላት ተለቂሑ ኣብ
ዘይወፅኦ ዕዳ ይሽምምዎ ከም ዘለዉ ካብቲ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ፣፣
ብካልእ ወገን። ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ተዓስኪሮም ፀኒሖም ብሕጋዊ
መሰነይታ ተሰናቢቶም ኣብ ካልኦት ስራሕቲ ዝተዋፍሩ ወተሃደራት ነበር። ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ምኽንያታት እናፈጠረ ይኣስሮም
ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣
እዞም
ብሕጋዊ መንገዲ ካብ ምክልኻል ሰራዊት ዝተሰናበቱ ወገናት ብጉልበቶምን ሞይኦምን ህይወቶምን ህይወት ቤተሰቦምን ንምንባይ ኣብ
ዝገብርዎ ዘለዉ ፃዕርን ሃርኮትኮትን ብኣካላት ፀጥታ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ዝበፅሖም ዘሎ ምግልታዕ መወዳእታ ዘይብሉ ኮይኑ።
ከም መርኣያ ናይዚ ተግባር ከዓ ኣብ ፍኖተ ሰላም ኣብ ዝርከብ ዓብዪ ቤት ህንፀት ብዘይ ዝኾነ ገበን ሽሞም ዘይተነፀሩ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ዝነበሩ ዝተኣሰሩ ከም ዘለዉ። ብፍላይ ከዓ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጉጃም
ወረዳ ቡሬ ተኣስሩ ንዝርከብ ኣስራ ኣለቃ ኣስረስ ድጉማ ብምጥቃስ እቲ ሓበሬታ ኣገንዚቡ፣