ኣይተ
ብርሃነ ሃይሉ ካብ ሓላፍነቶም ዝተለዓሉ ኣብ ናይ ቤት ፅሕፈቶም ናይ 9 ኣዋርሕ ሪፖርት ኣፈፃፅማ ስራሕ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብቲ
ምስሉይ ቤት ምኽሪ /ፓርላማ/ ምስ ኣቕረቡ። ንፅባሕትኡ ዓርቢ ብፌርማ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ዝተፀሓፈ ደብዳቤ ካብ
ስራሕ ከም ዝተሰናበቱ ዝገልፅ ትእዛዝ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ፣
እቲ
ብፌርማ ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝተፃሓፈ ደብዳቤ ኣብ ዉሽጡ ብጀካ ክሳብ ሎሚ ብዝሃብካዮ ኣገልግሎት ስራሕ ነመስግን ካብ ሕዚ
ንደሕር ካብ ስራሕ ሓልፍነትካ ተሰናቢትካ ኣለኻ ዝብል እንተዘይ ኮይኑ። ንምንታይ ካብ ስራሕ ሓልፍነቶም ክባረሩ ተጌሮም ዝገልፅ
ዝኾነ ይኹን መብራህርሂ ከም ዘይብሉ እቲ ካብ ዉሽጢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
ነዚ
ኣመኪቶም ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ብሕታዊ ወኪል ተቓዋምቲ ዉድባት ዝኾኑ ኣይተ ግርማ ሰይፉ እንተብርሁ። ኣብ ስልጣን ዝርከብ
መንግስቲ ንህዝቢ ዝህቦ ኣገልግሎት ግልፅነት ከም ዘይብሉ ዝረድእ እዩ ምስበሉ። ሓደ ናይ ህዝቢ ስልጣን ሒዙ ዝፀነሐ ሰብ ካብ
ሓላፍነቱ ብሃንደበት ክትኣልዮ እንተለኸ ነቲ ህዝቢ ብግልፂ ምኽንያት መእለይኡ ብኢፋ ዘይምግላፅ ብተሓታትነት ዝሰርሕ መንግስቲ
ከም ዘይኮነን። ብሕኸኸኒ ክሓከካ ዝጓዕዝ ስርዓት ምዃኑ ዘገንዝብ እዩ ኢሎም፣
ካልኦት
ዝተፈላለዩ ወገናት ብግድኦም እቲ ኣብ ስልጣን ዝርከብ መንግስቲ ሚኒስተር ዝኣክል ካብ ስልጣን እንትኣሊ ንምንታይ ይኣልዮ ኣሎ።
ነቲ ዝመርሖ ህዝቢ መብርሂ ዘይምሃቡ ነናይ ባዕሉም ትርጉም ይህብሉ ከም ዘለዉ ሚድያታት ኣብ ምግላፅ ይርከባ፣
ሚኒስተር
ፍትሒ ኣይተ ብርሃነ ሃይሉ ቅድሚ ሎሚ ሚኒስተር ሓበሬታን ከምኡ‘ዉን ቀንዲ ኣካያዲ ስራሕ ሬድዮን ተሌቪዥንን ዝነብሩ። ክሳብ
ቀረባ እዋን ኣካል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ዝኾነ ብሄር ኣምሓራ ዴምክራስያዊ ምንቅስቓስ ዉድብ ብኣዴን ዝነብሩ እንትኾኑ።
ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ኣብ ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኣይተሓቖፉን። ኣብ ክንድኦም ብመሪሖ ምትኽኻእ ተሰናቢቶም
ዝነበሩ ኣይተ ኣዲሱ ለገሰ እንደገና ናብ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ክምለሱ ከም ዝተገብረ ይፍለጥ፣