Friday, May 31, 2013

ብ17 ግንቦት 2005 ዓ/ም ኣብ ባህርዳር ከባቢ ሆስፒታል ያለም ብርሃን ብርክት ዝበሉ ሰልፈኛታት ንኣሰራርሓ እቲ ሆስፒታል ብምቅዋም ሰልፊ ከም ዘካየዱ ተሓቢሩ።



ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህርዳር ያለም ብርሃን እናተባሃለ ኣብ ዝፅዋዕ ሆስፒታል፣ ልዕሊ 200 ዝኾኑ ሰልፈኛታት ሰላማዊ ሰልፊ ወፂኦም ከም ዝዋዓሉን፣ ንግዕዙይ ኣካይዳን ኣሰራርሓን እቲ ሆስፒታል ብትሪ ከም ዝተቓወምዎ ካብ’ቲ ቦታ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

     እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ናይ’ቶም ሰልፈኛታት ዋና መውፂኦም እንትገልፅ፤ ዝሓመመ ሕብረተሰብ ንሕክምና ኢሉ ኣብ ዝመፀሉ ኣብ ክንዲ ግቡእ ሕክምና ዝረክብ ብግቦን ወገንን እዩ ዝሕከም ዘሎ፤ ዝኾነ ካብ በረኻ ዝመፀ ሕሙም ብእዋኑ ሕክምናዊ ሓገዝ ኣይረክብን ዘሎን ወዘተን ዝብሉ ማእለያ ዘይብሎም ሕቶታት ከም ዘልዓሉን። እዚ ኣካይዳ እንተዘይ ተኣሪሙ ካብ ሕዚ ንደሓር’ውን ተቓውመኦም ብዝሓየለ ክቕፅልዎ ምዃኖምን እቲ ንሰልፈኛታት መሰረት ዝገበረ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።

   እቲ ኣድማ መንግስቲ ኣብ መላእ ሃገር ዝኽተሎ ዘሎ ሙስና ዘንፀላለዎ ኣካይዳ ዝነቅፍን፣ ብፍላይ ኣብ ከተማ ባህርዳር ዝካየድ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ንህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ከም ዘይኮነስ፤ ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ብዘለዎም ሓላፍነት ተጠቒሞም ሃፍቲ ሃገርን ህዝብን እናጋሓጡ ጅቦኦም ከሕብጡ ዝገብር ኣሰራርሓ ብህፁፅ ክእረም ከም ዘለዎ ዝፅዉዕ ዝተለዓለ ተቓውሞ መላእ ህዝቢ ከተማ ባህርዳር ይስዕቦ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።