Friday, August 1, 2014

ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ ካብ 24-30 ሓምለ 2006 ዓ.ም ኣብ መቐለ ንምክያድ ንዝፀዉዕዎ “ፈቲቫል ዲያስፖራ ተጋሩ” ንምብዓል ዓቐኑ ዝሓለፈ ወፃኢ ገይሮም ይንቀሳቐሱ ምህላዎም ዝተዓዘበ ህዝቢ ተቓውሞ የስምዕ ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣፣



ብመሰረት እቲ ንፈልጥቲ ውሽጢ መሰረት ገይሩ ካብ ከተማ መቐለ ዝበፀሓና ሓበሬታ መሪሕነት ህወሓት-ኢህወዴግ “ፈስቲቫል ዲያስፖራ ተጋሩ” ዝብል ሽም ኣጠሚቖም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተሰዲዶም ዝቕመጡ ተወለድቲ ትግራይ ዕድመ ገይሮም ረኣዩልና ስምዑልና ንምባልን ብኡ ኣቢሎም’ውን ፖለቲካዊ ከስቢ ንምርካብ ዝገብርዎ ዘለዉ ሸበድበድ ንልምዓታዊ ስራሕቲ ክልል ትግራይ ተባሂሉ ካብ ዝተበጀተ ባጀት መጠኑ ዝሓለፈ ወፃኢታት እናተነስነሰ ምዃኑ ተገሊፁ፣፣
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ እቲ ካብ 24-30 ሓምለ 2006 ዓ.ም “ፈስቲቫል ዲያስፖራ ተጋሩ” ሰይሞም ኣብ መቐለ ንምክያድ ከም ሓደ ዓብዪ መደብ ሒዞም ብምሉእ ዓቕሞም ንምፍፃም ዝንቀሳቐስሉ ዘለዉ ንህዝብን ሃገርን ረብሓ ኣብ ግምት ዘእተወ ከም ዘይኮነ ድሕሪ ምጥቃስ ዕላማ ናይ’ዚ ኩሉ ሸንዳሕዳሕ ንጎደናታት ከተማ መቐለ ግዝያዊ ምፅብባቕ ብምግባር ነቶም ካብ ወፃኢ ዝመፁ ዲያስፖራ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ትግራይ ኣዝያ ከም ዝማዕበለት ኣምሲልካ ዘይምስልኻ ሒዝካ ንምቕራብ ዝግበር ዘሎ ፍሹል ኣካይዳ እቲ ስርዓት ዘንፀባርቕ ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣
ነቲ ዘይምስልኻ ንምሓዝ ዝግበር ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ወፃኢ ዝተዓዘበ ነበሪ ህዝቢ ከተማ መቐለ ብርክት ዝበለ ዉፅዕ ህዝቢ ትግራይ ብዝተፈላለዩ ስእነት ማሕበራዉን ኢኮኖሚያዉን ኣገልግሎት ብከቢድ ፀገም እናተሳቐየ እናሃለወ ክንድዚ ዝኣክል መጠኑ ዝሓለፈ ገንዝብ ንረኣዩልና ስምዑልና ምብኻን ግቡእ ኣይኮነን ብምባል ህዝቢ ከተማ መቐለ ይዛረበሉ ከም ዘሎ  ተፈሊጡ፣፣