ብመሰረት’ቲ
ንግዳያት ምርኩስ ዝገበረ ሓበሬታ። ኣብ ወረዳ ጓጉሳ ኣብ 4ተ ቀበሌታት ዝርከቡ ሓረስቶት። እቶትኩም
ንምምሕያሽ ብዝብል ጉልባብ ብኹቡር ዋጋ ማዳበርያ ክገዝኡ ካብ ኣማሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣይተ ዴሴ ዋለልኝ ዝወረደ መምርሒ።
ሓረስቶት ከም ዘይተቐበልዎን ነቲ ኣኼባ ረጊፆሞ ከም ዝወፁን ገሊፁ፣፣
ብተመሳሳሊ ኣብ
ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ወንበርማ ሓውሲ ከተማታት ኣብ ዝኾኑ ገጠራት በሽንዴ፤ ወገዳድን ኮኪን ዝነብሩ ዜጋታትና፣ ካብ
መንግስቲ ብዝተለኣኹ ዕጡቛት ይንገላትዑን ይግፉዑን ብምህላዎም፣ መዓልታዊ ምንቅስቓሶም ኣብ ከቢድ ስግኣት ወዲቑ ከም ዝርከብ፣ ነበርቲ
እቲ ከባቢ ካብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣፣