Wednesday, June 5, 2013

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኢቴርኔታትን ድህረ ገፃትን ንምዕፋን ዝዉዕል መሳርሒ ንምጥቃም ልዕሊ 26 ቢልዮን ቅርሺ ክፍሊት ንሓደ መንግስታዊ ትካል ቻይና ከም ዝፈፀመ ተገሊፁ፣



ካብ ሰራሕታኛታት ድሕንነት ዝላሓዀ ሓበሬታ ከም ዝሕብሮ። ኣብ ስልጣን ዝርከብ መንግስቲ ንዕድመ ስልጣኑ ሓደጋ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ኢሉ ዝገመቶም መራኸቢ ብዙሃን። ናብ ውሽጢ ሃገር ከይኣትው ንምግታእ ልዕሊ 1.2 ቢሊዮን ዶላር ወይ ልዕሊ 26 ቢሊዮን ብር ዝፅጋዕ ገንዘብ ምኽፋሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
  በዚ ድማ ብቑፅሪ ሓደ ክዕፈን ትእዛዝ ዝተማሓላለፈሉ ኢሳት እንትኾን። ብሽም ኢሳት ዝፍለጡ ድህረ ገፃት፤ ሬዲዮን ቴሌቪዥንን ሙሉእ ብሙሉእ ንኽዕፍን ምስቲ ቻይናዊ ትካል ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ ከም ዘሎ ኣረዲኡ፣
   ሬድዮ ጣብያታት ድምፂ አሜሪካን ሬድዮ ጀርመንን ድማ መዓልታዊ ብዘቕርብዎ ምድላውን ትሕዝቶን ዓይነታት እናተፈለዩ ምዕፋን ክካየደሎም እንትውሰን። ክሳብ ሕዚ ነቲ ስርዓት ዝፃረሩ ድህረ ገፃት ሙሉእ ብሙሉእ እናተዓፈኑ ዝርከቡ ኮይኖም። እንተ እቲ ከም ቀዳማይ ቁፅሪ ዝተኣዘዘ ድህረ ገፅ ኢሳት እንተተዓፈነ’ውን ሬዮን ቴሌቭዥንን ካብ ዝሓለፈ 5 ኣዋርሕ ጀሚሩ ብፅቡቕ እናተማሓላለፈ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ የረድእ፣
   ብተመሳሳሊ ዜና መንግስቲ ብፌስ ቡካት እናበፅሖ ዘሎ ውግዘትን ማዕበላዊ ለውጢ ንምግታእ ‹‹ሬሳው›› ክብል ሽም ዝሃቦ መሳርሒ መዕፈኒ ቴክኖለጂ ተግባራዊ ንምግባር። ምንቅስቓስ ጀሚሩ ከም ዝርከብን እቲ ፈተነ ተግባራዊ እንተኾይኑ ሙሉእ ንሙሉእ ናይ ፌስ ቡክ ርክባት ንምግዳብ ዕድል ከም ዝረክብ ዝበፅሓና ሓበሬታ ይሕብር፣
   ይኹን እምበር ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ስርሑ ንምጅማር ብተደጋጋሚ ዝተገበረ ፃዕሪ ዘይምስኽዑ ነቲ ስርዓት ኣብ ዝኸፈአ ወጥሪ ሸሚምዎ ከም ዝርከብ ተፈሊጡ፣