Wednesday, June 5, 2013

ኣብ ክልል ዓፋር ነበርቲ ወረዳ ገዋኒ ብፖሊስ ወያነ ኢህወዴግ ግፍዕታት ይበፅሖም ከም ዘሎ ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ገሊፁ፣



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ክልል ዓፋር ነበርቲ ገጠር ወረዳ ገዋኒን ከባቢኡን ኣብ ዝሰሙን‘ዚ ብፖሊሳት ወያነ-ኢህወዴግ ሃንደበታዊ ብዝተተኮሶሎም ሩምታ ጠያይቲ ቑፅሮም ብዕሊ ዘይተፈልጡ ዜጋታትና ከም ዝቖሰሉ ድሕሪ ምግላፅ።  እቶም ብህይወት ዝተረፉ ድማ ንብረቶምን ጥሪቶምን ራሕሪሖም እግሮም ናብ ዝመርሖም ይስደዱ ምህላዎም ተፈሊጡ፣
  በቲ ሃንደበታዊ ተኹሲ ዝሰንበዳ ጥሪት እዞም ገበራት ፋሕ ፋሕ ኢለን ግዳይ ናይ በረኻ ኣራዊት  ከም ዝኾናን። ነቲ ኣረመኔያውን ኣስካሕካሕን ዝኾነ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍፅሙ ዘለዉ ድማ። ብሽም ፌዴራል ፖሊስ ኣብቲ ከባቢ ዓስክሮም ዘለዉ እንትኾኑ። እቲ ዝወስድዎ ዘለዉ ስጉምቲ ድማ ዘይሕጋዊ መሳርያ ንዝሓዙ  ወልቀ ሰባት ንምህዳን ዕጥቆም ንምዉራድን ዝብል ጉልባብ ይጥቀሙ ከም ዘለዉ ተገሊፁ፣
  ገለ ነበርቲ እቲ ክልል ንዝተፈላልዩ ማዕኸናት ዜና ከም ዝሓበርዎ። ኣብ ልዕሊ ቆልዓ ሰበይትን ሽማግለታትን ብፌዴራል ፖሊስ ዝወርዶም ዘሎ ሃንደበታዊ ተኹስን  መቕተልትን ደው ንኽብል። ይምልከቶም ንዝተብሃሉ ሓለፍቲ ዞባን ክልልን ጥርዓን ኣቕሪቦም ሰማዒ ይኹን ዉሕስነት ሂወት ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም። ኣብቲ ስርዓት ዝነበሮም ፅልኣት ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ በፂሑ ከም ዘሎ ገሊፆም፣