Wednesday, June 5, 2013

ኣብ ወረዳ ዳንግላ ዝርከቡ ኣባላት ፖሊስ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ምስ ሙሉእ ዕጥቆም ነቲ ስርዓት እናራሕርሕዎ ይጠፍኡ ከም ዘለዉ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፣



ብመሰረት እቲ ዝላሓኸ ሓበሬታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ ዳንግላ ዝርከብ  ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ንዝሓለፈ 9 ወርሒ ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ካብታ ወረዳ ጥራይ 19 ኣባላት ፖሊስ ምስ ሙልእ ዕጥቆምን ብረቶምን ነቲ ስርዓት ራሕርሖም  ከም ዝጠፍኡ  ንሳቶም ኣብ  ዞባ ኣዊ  ከባቢ ጃዊ ኣብ ዝተብሃለ በረኻ ኣንፃር ስርዓት ወያነ ምስ ዝቓለሱ ሓይልታት ይፅምበሩ ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ፣
  እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዝገልፆ። እቶም ኣብ በረኻ ጃዊ ዝዓረዱ ኣንፃር ስርዓት ወያነ ዝቃለሱ ዘለዉ ተቓለስቲ ሓይሊታት ብዕጥቅን ብሓይሊ ሰብን ካብ እዋን ናብ እዋን እናሓየሉ ይመፁ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ። ኣብ ልዕሊ ዕጡቛት እቲ ስርዓት ክሳብ ሕዚ ቀሊል ዘይበሃል ክሳራ የውርዱ ከም ዘለዉ ወሲኹ ገሊፁ፣
     ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ካብ ስልጣኑ ዝእለ ብዕጥቃዊ ቃልሲ’ዩ ኢሎም ምስ ዝኣመኑ ውድባት ምትሕብባር ተኻይዱ ኢኹም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሓለፍቲ ዝተፈላለያ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ። በቲ ሽርሕን ጉርሕን ዝተመልኦ ገምጋም ምኽኒት ብምግባር ይኣስርዎምን ካብ ስረሖም የባርርዎምን ምህላዎም እቲ  ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣገንዚቡ፣