Friday, June 7, 2013

ነበርቲ ክልል ጋምቤላ ኣንፃር ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ወያነ ዝቐንዐ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብ27 ግንቦት 2005 ዓ/ም ከም ዘካየዱ ተገሊፁ።



እቲ ዝተኻየደ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ዕላማኡ መላእ ህዝቢ ጋምቤላ ንዘጋጠሞ  ሕፅረት መሰረተ ልምዓት ፍታሕ ንኽግበረሉ ብተደጋጋሚ ንዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ጥርዓን ከቕረቡ እኳ እንተፀንሑ፣ ክሳብ ሕዚ ሓላፍነት ተሰሚዕዎ መልሲ ዝህብ ኣካል ብዘይምርካቦም፣ ኣብቲ ስርዓት ዘለዎም ኣሉታዊ ስምዒት ሓበራዊ ሰልፊ ብምግባር ክገልፅዎ ከም ዝተገደዱ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

   እቲ ሓበሬታ ወሲኹ እንትገልፅ፣ ብህዝቢ ክልል ጋምቤላ ዝተኻየደ ኣንፃር ኣብ ስልጣን ዝርከብ ተቃውሞ፣ መበገሲኡ ምስቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብሰማያዊ ፓርቲ ተመሪሑ ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰላምዊ ሰልፊ ምትእስሳር ከም ዘለዎን፣ እቲ ከም’ዚ ዓይነት ምትሕሓዝ ዘለዎ ተቓዉሞ በዚ ከየብቀዐ ኣብ ክልል ኣምሓራን ካልኦት ክልላትን ኣብ ዝርከባ ከተማታት ከይቕፅል ብምስጋእ፣ ስርዓት ወያነ ነቶም ተቓውሞታትን ናዕብታትን ክላዓለሎም ይኽእሉ እዮም ኢሉ ዝሰገኦም ከባቢታት ብርክት ዝበሉ ፌዴራል ፖሊስ  ንሓለዋ የዋፍር ከም ዘሎ ኣገንዚቡ።