Friday, June 7, 2013

ኣብ ከተማ ሽረ ክካየደ ዝፀንሐ ኣባይቲ ናይ ምፍራስ ስጉምቲ ብዝባኣሰ ይቕፅል ከም ዘሎ ነበርቲ ካብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ክፍለጥ ተኻኢሉ።



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፣ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረ ቀበሌ 01 ብትእዛዛ መራሕቲ ወያነ 83 ገዛውቲ ንኽፈርስ ትእዛዝ ከም ዝወረደን፣ ካብ’ቶም ኣባይቶም ከም ዝፈርስ ተነግርዎም ኣብ ጭንቕንቕን ዓቕሊ ፅበትን ተዋሕጦም  ካብ ዘለው  መራሕቲ ስድራ ገለ ንምጥቃስ፣-

1.  ኣስመላሽ መላኺ
2.  ተስፋይ ነጋስ
3.  ኣብራሃላይ
4.  ተመስገን ገብረ ዋህድ
5.  ምሩፅ
6.  ኣፅረጋ /ተጋዳላይ ነበር/ን ካልኦትን ከም ዝርከብዎምን ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
 ብተመሳሳሊ ኣብ ዝሓለፈ መዓልቲታት ብዙሓት ህፃውንትን ሽማግለታትን ዝርከብዎም ልዕሊ 80 ስድራ ቤታት ነበርቲ ከተማ ሽረ። ካብ ዝነብሩሉ ዝነበረ ገዛውቶም ብሓይሊ ተፈናቕሎም ብዘይ መተካእታን ካሕሳን ሃፍቶም ኣፍሲሶም ዝሰርሕዎ ኣባይቶም ብደዞር ፈሪሱ ኣብ ማእኸል ጎደና ተደርቢዮም ግዳይ ፀሓይን ቁርን ምዃኖም ይፍለጥ።
ነቲ ግፍዓዊ ተግባር ብምቅዋም ናዕቢ ከላዓዕሉ ይኽእሉ እዮም ተባሂሎም ድሕሪ እቲ ፍፃመ ዝተኣሰሩን ብሓይሊታት ፀጥታ ዝድለዩ ካብ ዘለዉን ነበርቲ ከተማ ሽረ፣-

1. ኣይተ ወላይ መብራህቱ
2. ሃፍቶም ታረቀ
3. ሃፍቱ ኣብርሃ
4. ተሾመ ወልደርፊኤል
5. ኣዳነ 
5. የማነን
6. ኪዳነን ዝተበሃሉ ዝርከብዎም እንትኾኑ። እቶም ዉልቀ ሰባት ብሕጊ ዘሕትት ዝፈፀምዎ ዝኾነ ይኹን ገበን ዘይብሎም እናሃለው፣ ድሌታት እቲ ስርዓት ከማልኡ ብዘይምኽኣሎም ጥራሕ ብድህንነት መራሕቲ ወያነ ንህላወ እቲ ስርዓት ኣስጋእቲ እዮም  ዝብል ምኽንያት ፈጥርካ ስጉምትታት ንምዉሳድ ዝተሃቀነ እከይ ተግብር ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።