ካብ ቤተ መንግስቲ ሊሒኹ ዝበፅሓና ሓበሬታ ከም
ዘረድኦ። ሓላፊ ሚኒስተር ኣታዉን ጉምሩክን ምክትሎምን ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ታሕተዎት ሽሞኛታት፤ ሰራሕተኛታት መንግስትን
ዓበይቲ ነጋዶን። ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሮም ብግዕዝይና ተኸሰሶም ተኣሲሮም ዝርከቡ ኮይኖም። ብገለ ሰበ ስልጣን ድማ ፖለቲካዊ
ሻጥር ኣለዎ ዝብል ርድኢት ኣብ ዉሽጢ ላዕለዎት መራሕቲ ኢህወዴግ ዓብዪ ወጥሪ ተፈጥሩ ከም ዝርከብ ተፈሊጡ፣
ብሰንኪ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ኣብ መንጎ ሰበ ስልጣን
ዘይምትእምማን ብምፍጣሩ። ነዚ ንምርዳእ ኣብ ዝግበር ዘሎ ላዕልን ታሕትን ኣብ ምርድዳእ ክበፅሑ ኣይከኣሉን ዝበለ እቲ ሓበሬታ።
ብምዃኑ ድማ ኣብ’ዚ እዋን ዝዉሰድ ዘሎ ብሽም ሙስና ናይ ምእሳር ስጉምቲ ኣብ ምቅዋም ዝርከቡ ሰበስልጣን። መንግስቲ ሙስና
ንምዉጋእ ደልዩ ዘይኮነስ። ብሽም ሙስና ሰባት ብምፅላም ንምጥቃዕን ሞራሎምን ሞራል ቤተሰቦምን ሰይርካ ካብ ሕብረተሰብ
ንምግላልን። መንግስቲ ብመንገዲ እቶም ሰባት ንግዕዝይና ዝዋጋእ ንምምሳል ዝጥቀመሉ ዘሎ ሜላ ዝብል ተሪር መርገፂ ሒዞም
ብምህላዎም መዕለቢ ከይረኸበ ይቕፅል ከም ዘሎ ይገልፅ ኣሎ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብዘይካ እቶም 58 ተኣሲሮም ዝርከቡ ካልኦት
ምስ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዉድባት ርክብ ኣለኩም ዝተበሃሉ ሰበ ስልጣን ዝርከብዎም 20 ሰባት። ብዝኸፈአ ኣተሓሕዛ ተኣሲሮም
ብፍሉይ ይምርመሩ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣
ምስ’ዚ ብዝተኣሳሰረ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ባህርዳር ዝተቓፀለ
ፋብሪካ ዕጣንን እንዳዲዕን ስርዓት ወያነ ብኣሸበርቲ ተቓፂሉ ክብል እኳ ገሊፆዎ እንተነበረ እቲ ሓቂ ግን ብሰንኪ እቲ ኣብ ዉሽጢ መራሕቲ ኢህወዴግ ኣጋጢሙ ዘሎ ኣፈላላይ ባዕሎም ዘዋፈርዎም ሰባት ኣቃፂለሞ ዝብል መርዳእታ ከምዘሎ እቲ ዝበፀሐና
ሓበሬታ የመልክት፣