Sunday, June 9, 2013

ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ስርዓት ዝፈጠሮ ፀገም ደቁ ኣንፃር እቲ ስርዓት ክቃልሱ ብረት ኣልዕሎም ኣብ ጎኒ ዴምህት ተሰሊፎም ብምቅላሶም ጥራይ፣ ስድራ ተጋደልቲ ክንፀሉ ይግበር ብምህላዉ መነባብርኦም ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ ከም ዝርከብ ተገሊፁ።



ካድረታት ስርዓት ወያነ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ስድራ ተጋደልቲ ዴምህት ዝፈፀምዎ ገበን ዘይብሎም። ስድራ ተጋደልቲ ዴምህት ጥራሕ ብምዃኖም  ብሓይሊታት ፀጥታን ድህንነትን ኣብ መንበሪ ገዝኦም ብቀትሪን ለይትን ብዝፍፀም ኮለላ ኣብ መረበቶም ነፃነት ስኢኖም ይፈራርሑ፤ ይጋፍዑን ምኽንያት ብዘይብሉ ይእሰሩን ከም ዘለው ካብ’ቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ።
 እቶም ህዝቢ ሰላም ካብ ምኽላእ ሓሊፎም ካልእ ስራሕ ዘይብሎም ኮራኹር እቲ ስርዓት ዝኾኑ ካድረታት ንሕብረተሰብ ውፅኢት ዘይብሉ ቀፃሊ ኣኼባታት እናፀውዑ የፈራርሕዎን ዕለታዊ መነባብርኡ ከይመርሕ ተሸቑሪሩ ክነብር ይገብርዎን ከም ዘለው ተፈሊጡ።
 ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ከተማ ራማ ዝርከብ ህዝብና ብሰንኪ እቲ ስርዓት ዝኽተሎ ዘሎ ዘይቅኑዕ ፖሊሲ፣ ፈጥርዎ ዘሎ ክብሪ መነባብሮ ህይወቱ ንምምራሕ ተፀጊሙ ኣብ ፀገም ወዲቑ ከም ዝርከብ እቲ ንግዳያት ምርኩስ ብምግባር ዝበፅሓና ሓበሬታ  የረድእ።