ኣብ
ሰሜን እዚ ናይ መበል 19ን 20ን ክፍለ ሰራዊት ናይ ወርሒ ግንቦት 2005 ዓ/ም ደመወዞም ምስ ተቐበሉ ብርክት ዝበለ ቁፅሪ
ዘለዎም ወተሃደራት ዝኸድዑ ኮይኖም፣ ካብታ ዝተጠቐሰት ክፍለ ሰራዊት
ካልኣይ ሬጅመንት ጥራይ ኣብ ዉሽጢ ወርሒ ዘይመልእ ሽዱሽተ እንትጠፍኡ፣ ንዐኦም ንምድላይ ካብ’ታ ኣሃዱ ገንዘብ
ተመዲብሎም ክደልዩ ከም ዝተላኣኹ እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
በዚ ዝተለዓለ ኣብ መንጎ እቶም ሓለፍቲ ዘይምትእምማን ተፈጢሩ ከም ዘሎን
ምኽንያት ናይ’ቶም በብዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ዝኸድዑ ዘለው ወተሃደራት መጀመርያ ክቁፀሩ እንተለዉ ዝተኣተወሎም መብፅዓ
ብዘይምትግባሩን ብመሰረት ደንቢ ሰራዊት ክወፅሉ ዝኽእሉ ዓመታት ሓሊፉ እናሃለወ ብዝሓተትዎ ክፋነው ብዘይምኽኣሎም እዩ ብምባል
እቶም ታሕተወት ሓለፍቲ በቶም ላዕለወት ሓለፍቲ ምኽንያት ክድዓት
እንታይ እዩ መልሲ ሃቡና ምስ በልዎም ነዞም ዝተዘርዘሩ ነጥብታት ብድፍረት ከም ዝመለስሎም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።
እቲ ምኽዳዕ ሰራዊት ኣብ ኩለን እዝታት ዘጋጥም ዘሎ ምዃኑ እናገለፅና
ዝፀናሕና እንትንከውን። በዚ ዝተላዓለ‘ውን መሳርዕ ኣሃዱታት እቲ ሰራዊት ብሰንኪ እቲ ዘጋጥም ዘሎ ምፍርራስ ስለ ዝተመናመና።
ሓላፊ ፖሊስ ኮሚሽን ክልል ትግራይ ወዲ ሻምበል ዝርከቦም ምስ ብርክት ዝበሉ ሰበ ስልጣን ኮይኖም ሓዱሽ ሰራዊት ንምምልማል ናይ
ዘካይድዎ ዘለዉ ፅዑቕ ምንቅስቓስ መቐፀልታ። ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ምስ ኣማሓደርቲ እቲ ዞባ መናእሰይ ንዉትህድርና ንምምልማል
ኣብ ዝገበርዎም ፈተነ ብተቓዉሞ ህዝቢ ከም ዝፈሸለ እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣገንዚቡ።