Wednesday, June 5, 2013

ኣብ ሰበ ስልጣን ክልል ኣምሓራ እምነት ዝሰኣነ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ። ኣብ ልዕልኦም ጥቡቕ ገምጋም እናካየደ ከም ዝርከብ ዝበፅሓና ሓበሬታ የረድእ፣



ካብ ውሽጢ ምንጭታት እቲ ውድብ ዝላሓዀ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ ኣብ’ቲ ክልል ኣብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ዞባታትን ወረዳታትን። ሽፋን መራኸብቲ ሓፋሽ ከይህብዎም ብምግባር። ፅዑቕ ገምጋም ካብ 19 ግንቦት ጀሚሩ እናተኻየደ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ፣
  ዋና ዕላማ እቲ ገምጋም። ኢህወዴግ ብዕጥቃዊ ቃልሲ ክወድቕ ዓሊሞም ምስ ዝንቀሳቓሱ አባላት ፖለቲካ ውድባት ርክብ ኣለዎም ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ሰበ ስልጣናትን ሰራሕተኛታትን ብዝብል ምኽንያት ብምፍጣር ካብ ሓልፍነቶም ንምውራድን ንምውቃዕን ዝዓለመ እዩ ክብል እቲ ውሽጣዊ ሓበሬታ ወሲኹ ይገልፅ፣
  ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተሳትፎ ዘይብሉ ሃደበታዊ ገምጋም ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢ ዝላዓለ ውጥረት ምህላው ምስ ገለፀ። ገና ሕዚ’ዉን እቲ ገምጋም ክሳብ 30 ግንቦት 2005 ዓ.ም ከም ዝቕፅል ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ፣