ኣብ’ቲ ክልል ካብ ዉሽጢ ዘሎ 20 ሚልዮን ህዝቢ እቲ 429,520 ዝኾኑ መናእሰይ አባላት አለውኒ ዝብል ብኣዴን። ብሽም ካብ ሓደገኛ ቦዘኔ ክሳብ ልምዓት ሃርበኛ ዝነግደሉ መንእሰይ ካብ ገዛኢ ፓርቲ ዘትረፎ ኪሳራ ምዃኑ ኣብ ሪኢተኦም ዘመልከቱ ተኣከብቲ። ካብ መላእ ናይ’ቲ ክልል ወረዳታት ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 3000 መናእሰይ ኣብ ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ጨንፈራት
ዝተሳኸዐ ብዝብል ርእሲ ዝቐረበ ፀብፃብ ድሕሪ ምስምዖም ናይ ወያነ ኢህወዴግ ንግዲ ትርፉ ክሳራ እዩ ብምባል ገሊፆም፣
ብሽም ማእኸለዎትን ኣናእሽተይን ፖሊስታት ፍፁም ክሕደት ወሪዱና ዝብሉ እቶም መናእሰይ። ብምምሃርና ንጥቀሞ ነገር የለን ብምባል። ኢህወዴግ ቅድሚ 97 ዓ/ም ዝገጠሞ ስእነት ስራሕ ናይ ተቓውሞ ፈተና ብሽም ሓደገኛ ቦዘኔ ብማእሰርቲ ክፈትሖ ዝፈተነ እንትኾን። ሽዑ ብዝተወለዐ ማዕበል ለውጢ እቲ ፀገም ክስተኻኸል ንምግባር ዝተኻየደ ፈተነ ከይተሳኸዐሉ ተሪፉ። “ብሓሶት ክንነብር እናተገደድና ኢና” ዝበሉ እቶም መናእሰይ። ኣብ ጎኒ ኢህወዴግ ጠጠው ኢልካ ንምስላፍ ተስፋና ተፀንቂቑ። እምነት’ውን የብልናን ምባሎም ተፈሊጡ፣
ኣብ’ቲ ጉባኤ ኣብ 1960ታት ዝነበሩ ናይ መናእሰይ ምንቅስቓሳት ከምእኒ ዋለልኝን ማርታን ዝመሳሰሉ ብምዝካር ካልእ ተወሳኺ ታሪኽ የድሊ ዝብሉ’ውን ኔሮም
ክብል እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ወሲኹ ኣብሪሁ፣
እናተገደድካ ብሓይሊ ናይ ድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያድ ከምኡ’ውን ትርፊ ዘይብሉ ናይ አዲስ ራኢ መፅሄት ምይይጥ አሰልቹይናን ጊዜ ወዳእን እዩ ዝበሉ እቶም መናእሰይ። ብምኽንያት መዋጮ ዝሕተትዎ ክፍሊት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ምኻድ እንተዘይኮይኑ። ዝናፍቕዎ ስራሕ ከም ዘይረኸቡን ሸኽሚ ቤተሰብ ክኾኑ እቲ ስርዓት ከም ዘገደዶም ብምረት ገሊፆም።