ብመሰረት’ቲ
ፀብፃብ እቶም ብስእነት ፍትሒ፣ ኣድልዎ ዝበዝሖ ከባቢያዊ ምምሕዳርን
ዘይቅኑዕ ስርዓተ ትምህርቲ ወያነ ተቓውሞም ብዝተፈላለየ ኣንፈት ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ቃልሲ ዝተፀንበሩ መንእስያት
ብርክት ዝበሉ እንትኾኑ፤ ገለ ካብኦም ኣስማት ክንጠቅስ፣-
1 ብርሃነ ተኽለወይኒን ዳምቦ ኪዳነን ዞባ ሴሜናዊ ምዕራብ ትራይ ወረዳ
ላዕላይ ኣድያቦ ጣብያ ዕጉብ ቑሽት ዓዲ ርእሶ
2. ሓጎስ ሊቃማስ፤ ፍቓዱ ግርማይ፤ ግርማይ ተስፋይ፤ ይከኣሎ ግርማይን
ዞባ ሴሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ጣብያ ደጓዓለ ቑሰት ዓዲ ዑና
3. ወይኒ መሰለ፤ በየነ ገብረእዝጊ፤ ካሕሳይ ገብረን ዞባ ማእኸል ትግራይ
ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ዓዲ ጋባት
4. ናብዮም ይሕደጎ፤ ጃምቦ መስፍን፤ .ካሕሳይ ሓድጉን ዞባ ሴሜናዊ
ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ጣብያ ዓዲ ክልተ
4. ምስጉን ኣለማ፤ ዓወት ሓጎስን ዞባ ምብራቅ
ትግራይ ወረዳ ኢሮብ ጣብያ ወርዓትለ
6. መርሃዊት ገብረፃድቕ፤ ሳምራዊት መሓሪን
ዞባ ምብራቅ ትግራይ ወረዳ ጉለ መኸዳ ጣብያ ሰበያ
7. ዓወት ገብረ ርፋኤል ዞባ ሴሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ጣብያ ጎድፈይ ቁሸት
ጎደፋይ
8.ሰዓረ ንጉሰ ዞባ ሴሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ጣብያ ምድረ ፈላሲ ቁሸት ዓዲ
መሓመዶ
9.ተመስገን ንጉሰን ሙሉጌታ ኣብርሃን ዞባ ማእከል ትግራይ ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ማይ ሓማቶ
10. ኣሰይ ተኪኤ፤ ተስፋማርያም ኪዳነን ዞባ ማእከል ትግራይ ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ማይ ወዲ
ዓምበራይ ቑሸት ዓዲ ማሓይሽ
11.ምርጫ ግደይ ዞባ ሴሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ጣብያ ሰመማ ቑሸት ዓባቖ
12.ገብረሊባኖስ ገብረመድህን ዞባ ማእኸል ትግራይ ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ምሕቛን ቁሸት ታባይ
13.ዓወት ኪዳነ ዞባ ማእከል ትግራይ ወረዳ ወርዒ ለኸ ጣብያ ማይ ነብሪ ቁሸት ነበለት
14.ገረዝጊሄር ብርሃነ፤ ሓለፎም ሓዱሽ፤ ኪሮስ ተኽለን ዞባ ማእከል ትግራይ ትግራይ ወረዳ መረብ ለኸ
ጣብያ ዓዲ ፍታው ቁሸት ሓዱሽ ዓዲ
15.ገረዝጊሄር ሰረቀ ዞባ ሴሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ጣብያ ለምለም ቁሸት ጩማይ
ገዳይ ዝዓዱ ዝርከብዎም ኮይኖም፣
እዚ ድማ ነቶም ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት
በበይኖም ዝውሕዙ ዘለወ ሓደሽቲ ተዓለምቲ ዘካትት ከም ዘይኮነ እቲ ዝበፀሓና ፀብፃብ ክፍሊ ታዕሊም ገሊፁ፣
ተዓላሚት መርሃዊት ገብረፃድቅ ንምሕደራ ስርዓት ወያነ ኣመልኪታ
እንትትገልፅ፤ ኣብቲ ክትማሃረሉ ዝፀንሐት ቤት ትምህርቲ ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ግፍዕታት ይፍፀምን ትምህርቲ ኣቋሪፆም ኣብ ፀገም
ንኽወድቁ ይግበር ከም ዘሎን ድሕሪ ምግላፅ፤ ሓደ ተምሃራይ ብሰንኪ ርሕቀት ቤት ትምህርቲ ደቓይቕ ደንግዩ ዝተረኸበ 10 ቅርሺ፤
ሓደ መዓልቲ ንዘብኮረ ድማ 20 ቅርሺ ከም ዝቕፃዕን በቲ ቅፅዓት ዝተኣከበ ገንዘብ ድማ ኣብ ውልቃዊ ረብሓታት እቶም
ኣማሓደርቲ ይውዕል ምህላዉ ሓቢራ፣
ተዓላማይ
ምርጫ ግደይ ብወገኑ፤ ኣብ ሴሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሰማማን ከባቢኡን ዝርከቡ
ወተሃደራት ወያነ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ ወሲባዊ ዓመፅ ስለ ዝፍፁሙለን፤ ግዳይ ኤች.ኣይቪን ንካልኦት
ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ዝተቓልዓ ደቂ ኣንስትዮ ወገናት
ኣዝዬን ብዙሓት እንትኾና፤ ካብኣተን ግዳያት ሓንቲ ጓል 12
ዓመት ህፃን ህይወት ገብሩ እንትትኮን ወላዲኣ ኣይተ ገብሩ ድማ
ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ከይዶም እንተኸሰሱ በቶም ወተሃደራት
ተወቂዖም ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቑ ብዝርዝር ገሊፁ፣