ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ናይ ወያነ ኢህወዴግ ልሳን
ዝኾነ ኣብዮታዊ ዲሞክራሲያዊ ጋዜጣ ንትሑት ዓቕሚ ትምህርቲ ንዘለዎም።
ኣዲስ ራኢ መፅሔት ድማ ዓቕሚ ንዘለዎም ሙሁራት
ተሓሲቡ ከምዝዳሎ ድሕሪ ምግላፅ። እንተኾነ ግን ኣይኮነንዶ
ኣባል ዘይኮነስ እቶም ደገፍትን ኣባልትን እቲ ስርዓት እንተኾኑ’ውን ንኸንብብዎን
ክዕድግዎን ፍቓደኛታት ብዘይምኻኖም እቲ ትካል ኣብ ከቢድ ክሳራ ከም ዝወደቐ ካብቲ ውሽጢ እቲ ቤት ፅሕፈት ዝተረኸበ ሓበሬታ
ኣቃሊዑ፣
ብተመሳሳሊ ኣብ ዝቐረባ እዋን መበል 10ይ ጉባኤ
ብኣዴን ንምኽያድ ኣብ ዝቐረበ ገምጋም እንተኾነ’ውን። መፍትሒ ዘይረኸቡ ፀገማት ተባሂሎም በዓል 43 ገፅ ዝሓዘ ፅሁፍ ኣቕርበሞ ዝነበሩ። ትኹረት ናይቲ ፅሑፍ ድማ ብኣባልነት ዝምዝገቡ ዜጋታት
ነቲ ውድብ ኣሚኖም ዝቃለሱ ዘይኮኑስ ኣብ ልዕሊኦም ካብ ዝፍፀም ናይ ማእሰርቲ ግፍዕታት ንምምላጥ፤ ስራሕ ንምርካብ፤
ወይ’ውን በቲ ኣባልነት ተጠቒምካ ሹመት
ንምርካብን ካልእ ጥቕማ ጥቕም ንምርካብ ከም ዝኾነን።
እዞም ድሌታት እዚኣቶም ምስ ዝስእኑ ድማ ነቲ ኣባልነት እናገደፉ ዝወፁ ዜጋታት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም ከም ዝብል ንምፍላጥ
ተኻኢሉ፣