Monday, June 3, 2013

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ከባቢታት ሃገርና ዝርከቡ መናእሰይ ናይ’ቲ ስርዓት ደገፍቲ ብዘይምዃኖም ግዳይ ግፍዕን ማእሰርትን ይኾኑ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣



ኣብ ዓበይቲ ትካላት ተማሂሮም ብስራሕ ስእነት ኣብ ስራሕ ዓለም ዘይተዋፈሩ ነበርቲ ከተማታት ኣርሲ፤ ወለጋ፤ ባቲ፤ በደሌ ካልኦት ከተማታትን ብርክት ዝበሉ መናእሰይ። ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ካድረታት ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ነቶም መናእሰይ ብሽም ስራሕ ምፍጣር ምኽንያት ፈጢሮም ብምእካብ። “ስራሕ ክትረኽቡ እንተኾይንኩም ሓደ ንሓሙሽተ ተጠርኒፍኩም ኣባላት ኢህወዴግ ኩኑ” ዝብል ብመራሕቲ እቲ ኣኼባ ንዝቐረበሎም ሓሳብ ክቕበልዎ ዘይምኽኣሎም። ብኣመሓደርቲ እተን ከተማታት ኣሸበርቲ ዝብል ኣስማት ተጠሚቖም ብሓይልታት ፀጥታ እናተጨወዩ ይእሰሩን ይሳቐዩን ከም ዘለዉ ካብተን ከተማታት ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣

  እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲቲታት ተማሂሮም  ብቑፅሮም ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ነበርቲ ከተማታት ኣርሲ፤ ወለጋ፤ ባቲ፤ በደሌ ካልኦት ከተማታትን ብስራሕ ስእነት ዋላ እኳ መነባብርኦም ንምምራሕ እንተተፀገሙ። ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ንዝኽተሎ መታለሊ ተግባራት ተቐቢሎም ክፍፅሙ ብዘይ ምኽኣሎም ፀረ-ልምዓት፤ ኣሸበርቲ፤ ከተርትን ሰረቐትን ዝብል ኣሽማት ተጠሚቖም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ብኣባላት ናይ ከተማ ፖሊስ፤ ፌዴራል ፖሊስን ኣባላት ድሕንነትን ካብ ዝንቀሳቐስዎምን ዝዓረፍዎምን ቦታታት እናተዓፈኑ ብምዉሳድ ኣብ ዘይሕጋዊ ቦታ ተኣሲሮም ዘስካሕኽሕ ግፍዕን ስቓይን ይወርዶም ከም ዘሎ ንኣባላት ስድራ ቤት እቶም ግድያት መሰረት ብምግባር እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ። የረድእ፣

    እቶም ብዘለዎም ዓቕሚ ትምህርትን ንኡስ ዕድሚኦምን ስራሕ ተኸፊትሎም ንሃገሮምን ህዝቦምን ከገልግሉ ዝግብኦም መናእሰይ። ብሰንኪ ህዝባዊ ሓላፍነት ዘይስምዖ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ናይ ስራሕ ዓለም ተነፊግዎም ብዘይሓደ ገበንን ኣፍልጦ ሕጋዊ ቤት ፍርድን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጊኖም ዝሳቐዩ ዘለዉ ወገናት። ካብ መንጉኦም ቀንዲ ቀንዲ ዝተበሃሉ እናተፈለዩ ዝተቐተሉን ገና ካብ’ቶም እሱራት ተመሳሳሊ ዕጫ ዝፀበዮም ከም ዘለዉን እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣገንዚቡ፣