ኣብታ ርእሰ ከተማ ክልል ኣምሓራ ዝኾነት ከተማ ባህርዳር ዝነብር
ህዝቢ ስርዓት ወያነ ብዘዋፍሮም ድህንነትን ኣባላት ፖሊስን
ብሰላም ዕለታዊ ስራሕቱ ከሳልጥ ብዘይምኽኣሉ ኣብዚ ሕዚ ግዜ ህዝቢ ንህልዉንኡ ካብቲ ስርዓት ዉሕስነት ዘይኮነ
ብኣንፃሩ ካብ ስቓይን ማሰርትን ግፍዒታት እቲ ስርዓት ንምምላጥ ኣብ ገልታዕታዕ ወዲቑ ከም ዝርከብ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።
ኣብታ ከተማ መዓልታዊ በቲ ስርዓት እናተጨወየ ዝጠፍእ ዘሎ ወገን
ማእለያ ዘይብሉ ኮይኑ፤ ካብቶም ንተቓወምቲ ዉድባት ትድግፉ ኢኹም ተባሂሎም ኣብዚ ቅንያት ተጨዉዮም ዝጠፍኡ ነበርቲ ዝተወሰኑ
ንምጥቃስ።
1.
ሻለቃ ጌታቸዉ ኣላምሮዉ ኣባል መበል 37 ክፍለጦር ዝነበረ፤
2. መምህር ኣወጠሀይ ይደግ፤
3. ሙኽታር ኢድሪስ ኣባል ፖሊስ ዝነበረ ዝርከብዎም እንትኾኑ፤
እዞም ሰባት በቲ ስርዓት ተጨዉዮም ምስ ተወሰዱ ክሳብ ሕዚ ቤተሰቦም ኣበይ ከም ዝኣተዉ ከም ዘይፈልጡ እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ
ወሲኹ ገሊፁ።