Wednesday, October 16, 2013

ብኣመሓደርቲ ከተማ ሽራሮ ናብ ህዝቢ ዝቐረበ ገምጋም ኣፈፃፅማ መደብ ስራሕ 2005 ዓ.ምን ቀፃሊ መደብ ናይ 2006 ዓ.ምን ኣብቲ ኣኼባ ብዝተረኸበ ነባራይ ሕብረተሰብ ከም ተነፅገ ተሓቢሩ፣

ብ3 ጥቅምቲ 2006 ዓ.ም ኣብ ተፀወዐ ህዝባዊ ኣኼባ ተረኺቦም ፀብፃብ ኣፈፃፅማ መደብ ስራሕ መንግስታዊ ዕዮ 2005 ዓ.ም በቲ ዝተተሓዘሉ ትልሚ ንህዝቢ ብዝዕግብ መንገዲ ተተግቢሩ ከም ተዛዘመ ኣምሲሎም። ንቐፃሊ 2006 ዓ.ም ዝተዳለወ መደባት ድማ ምስ ሕሉፍ ዓመት ኣወንታዊ ኣካይዳ ተዛሚዱ ክትግበር ተታሒዙ ከም ዘሎ ኣብ ዘቕረብዎ ዝርዝር ገምጋም። ብተኣከባይ ህዝቢ ምሉእ ብምሉእ ተቐባልነት ስኢኑ ዉድቂ ከም ዝኾነ ካብ ከተማ ሸራሮ ምንጭታትና ኣረዲኦም፣ 

ኣብቲ ብሓላፊ ዉዳበ ወረዳ ምምሕዳር ከተማ ሸራሮ መምህር ተኸስተ ዝተመረሐ ኣኼባ ዝተረኸቡ ነበርቲ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንህዝቢ ዝረብሕ ስራሕ ኣይተሰረሐን ብምባል ዝተቓወምዎ ኮይኖም። ብፍላይ ድማ ቆላሕታ ተዋህብዎም ክፍትሑ ዝግብኦም ዝነበሩ፦
* ዓመታት ዘቐፀረ ከቢድ ፀገም ዝስተ ፁሩይ ማይ
*ኣብያተ ትምህርቲ ብሰንኪ ፅበት መምሃሪ ክፍልን ስእነት ናዉቲ ትምህርትን
* ኣገልግሎታት ኔት ዎርክን ተቀሳቓሲ ስልኪን ጠቕሊሉ ዜሮ ምኳኑ።
* ምምሕዳርን ፍትሕን ብግቦን ወገንነትን ምኳኑ
 ግብሪ ሽሙ ድኣ ግብሪ ይበሃል እምበር ኣሰራርሓ ተጎዝጒካ ዓይንኻ እናረኣኻ ክትራን ምኳኑ ኣብ’ዛ ከተማ ብዙሓት ትካላት ንግዲ ልክዑ ብዝሓለፈ ግብሪ ክኸፍሉ ብምግዳዶም ኣብ ክንዲ ንህዝቢ ኣገልግሎት ኣብ ክንዲ ዝሕቡ ምዕፃዎምን ካልኦት ምምሕዳራዊ በደላትን ተደማሚሮም ዘይተፈትሑ ዓበይቲ ፀገማት ህዝቢ እናሃለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፅቡቕ መደብ ፈፂምና ኢሉ ምምሕዳር ምግምጋሙ ፀረ-ህዝቢ ኣካይድኡ ቁሊጭ ኣቢሉ ዘራየ  ኮይኑ ኣሎ። ስለ’ዚ ንቐፃሊ ዓመት ዝትግበር መደባት‘ዉን ነዚ ኣካይዳ ደጊፉ ዝኸይድ ክሳብ ዝኾነ ህዝባዊ መደብ ኣይኮነ” እንትብሉ ነበርቲ እታ ከተማ ኣብቲ መደረኽ ቁጠዐ ብዝተመልኦ ተቓዉምኦም ምግላፆም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣