ብ1
ጥቅምቲ 2006 ዓ/ም ንነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ
ብካድረታት ወያነ ኣኼባ ዝተገበረሎም እንትኾን። ኣጀንዳ ናይቲ ኣኼባ ድማ ን2007 ዓም ዝግበር መረፃ ድልውነቶም ንኽገልፁ ዝምልከት ምንባሩ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ብወገን እቶም ተኣኸብቲ ዝተወሓበ ምላሽ ግን “ንሕና እንገብሮ ምድላው
የለን እኳደኣ ንዓና ዝሐሸና ኢና ክንመርፅ” ክብሉ ኣንፃራዊ መልሲ ከም ዝሃብዎም ተፈሊጡ፣
እቶም
ተኣከብቲ ወሲኾም። መራሕቲ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ፀገም መብራህቲን ዝስተ ፁሩይ ማይን ከየቓለለሉ ወልቃዊ
ናይ ዶላር ፅምኦም ንምርዋይ ንጎረባባቲ ሃገራት ምሻጦም ግቡእ ኣይኮነን። ከምኡ’ዉን ተንቀሳቐሲ ኔትዎርክ እንተኾነ’ውን ግቡእ
ኣገልግሎት ኣይህብን ዘሎ ብምባል ኣማሪሮም ተቓዉሞ ዝተመልኦ
ዘረባ ከም ዘስምዑ ካብቲ ቦታ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
እቶም ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቦም በብተራ እናተልዓሉ ንስርዓት ወያነ
ኣይንመርፅን ምንም ዓይነት ምድላው ኣይንገብርን ካብ ዝበሉ ነበርቲ
ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝኾኑ መናእሰይ። ኣቶ ረዳቴ ኣስፋው፤ ወ/ሮ ዮዛለም ኣማረ፤ ኣቶ ኣድማሱ
ቸኮለን ካልኦትን ከም ዝርከብዎም እቲ ካብቲ ቦታ ዝበፅሓና ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ፣