ኣብ
ሃገርና ኢትዮጵያ ንመህነፂ ሽኾር ፋብሪካ ኣናተብሃለ ዓመት መፀ ዝስላዕ ዘሎ ገንዘብ ኣብ መዓልኡ ከይወዓለ ንመማሓየሺ ወልቃዊ
መነባባሮ ሰበ ስልጣን ወያነ ይውዕል ምህላዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ።
ነቲ ቤት ፅሕፈት ብላዕለዋይነት ኮይኑ ክመርሖ ዝፀነሐ ኣይተ ኣባይ ፀሃየ ብወገኑ ጥራይ ልዕሊ 150 ሚልዮን ብር
ከም ዘጠፋፈአ ካብቲ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
እቲ
ሓበሬታ ወሲኹ። ነዚ ብኣማኢት ሚልዮን ገንዘብ ሃገር ዘጠፋፈአ በዓል ስልጣን ኣባይ ፀሃየ። ብገበን ተኸሲሱ ናብ ሕጊ
ኣብ ክንዲ ዝቐርብ። ብኣንፃሩ ቤት ፅሕፈት ቀይርካ ምምዳቡ ዘይተወሓጠሎም ሰራሕተኛታት ኮርፕሬሽን ሽኮር ነቲ በቲ ስርዓት ዝተፈፀም
ዘይሓላፍነታዊ ተንኮል ዝተመልኦ ምደባ ኣዝዩ ከምዘቖጠዖምን
ኣብቲ ስርዓት ዘለዎም እምነት ምጉዳሉን ብትሪ ምግላፆም ኣፍሊጡ፣
ከም ምዝፍለጥ ቅድም ክብል እንተኾነዉን ኣብ ወልቃይት ንዝስራሕ ዘሎ
ፋብሪካ ሽኮር መህነፂ ተባሂሉ ዝለኣኽ ዝነበረ መሳርሒ ተንዲኖ፤ ስሚንቶን ጣዋሉን።ኣብቲ ቦታ ከይበፅሐ ነቲ ከባቢ ቅርበት ኣብ
ዘለወን ከተማታት ክልል ኣምሓራን ትግራይን ንወልቀ ነጋዶ እናተሸጠ ኢድ ብኢድ ክተሓዙ እኳ እንተፀንሑ ኣብ ልዕልኦም ሕጋዊ
ስጉምቲ ክዉሰድ ከም ዘይተረአየ ይዝከረ፣