Saturday, October 19, 2013

መራሕቲ ስርዓት ኢህወዴግ ዉትህድርና ንምምልማል ዘካይድዎ ፕሮፖጋንዳ ስለ ዘይዕወቶም ብሓይሊ ከገዲዱ ጀሚሮም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣




ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ሃገርና ዝተጠቀዐ ምልክታ መመልመሊ ዉትህድርና ብደረጃ ትግራይ ንከባቢ ሓደ ወርሒ ተፀብዮም ብድሌቱ ዝኣቱ ሰብ ክረኽቡ ስለ ዘይከኣሉ። ብቐጥታ ካብ 6 ጥቅምቲ 2006 ዓ/ም ጀሚሮም ነቲ ዘካይድዎ ዝነበሩ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ገዲፎም። ንተማሃሮ ኣኪቦም እንታይ ሰሪሕኹም ክትናበሩ ኢኹም  ኣብ ስርቂ ዲኹም ክትዋፈሩ ደሊኹም ዋላ እንታይ እዩ ሓሳብኩም እናበሉ ብፀቕጥን ምጉጣጥን ናብ ውትህድርና ከእትውዎም ፈተነ ኣብ ምካይድ ከም ዝርከቡ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣

እቲ ኣብ ትግራይ ብዝርከቡ ሰበ ስልጣን ህወሓትን ሓለፍቲ ምክልኻል ሰራዊትን ተጣሚሮም ዘካይድዎ ዘለዉ መንእሰይ ትግራይ  በቲ ሓደ ወገን ብሰንኪ ግዕዙይ ፖሊሲ ትምህርቲ ነጥቢ ንዘይረኸበ ብኻልእ ወገን ከኣ ነቲ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዘሎ ዕሸል መንእሰይ ካብ ትምህርቱ ኣቋሪፅካ ናብ ዉትህድርና ናይ ምቑፃር ኣጀንዳ እቲ ስርዓት ብተማሃሮ መናእሰይን ወለድን ተቐባልነት ብምስኣኑ ንትሕቲ ዕድመ እንተይተረፉ ንምቑፃር ከም ዕላማ ሒዞም ላዕሊ ታሕቲ ኣብ ምባል ከም ዘለዉ እቲ ዘተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ፣

ከም ዝፍለጥ መርሕነት ጉጅለ ስርዓት ኢህወዴግ ቁፅሪ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዝተመናመነ ደረጃ ብምዉራዱ ዝፈጠረሎም ሻቕሎት። ነዚ ንምሽፋን ደረጃ ትምህርቲ ይኹን ዕድመ ብዘየገድስ ተወላዲ ትግራይ ጥራይ ንምቑፃር ኣብ ዝለዓል ምንቅስቓስ ከም ዘለዉ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ዜና ፈነወና ገልፅና ምንባርና ይዝከር፣