Saturday, October 19, 2013

ኣብ ከተማ ጎንደር ዝርከቡ ሓለፍቲ ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ከነውፀአኩም ጉቦ ክፈሉ ብምባል ካብ እሱራት ኣሻሓት ገንዘብ ይወስዱ ምህላዎም ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣




 ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ።  ኣብ ከተማ ጎንደር ዝርከቡ ሓለፍቲ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣብ ትሕቲኦም ንዝርከቡ እሱራት ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ከነውፀእኩም ትደልዩ እንተኾይንኩም  ነፍሲ ወከፍኩም ዓሰርተ ሽሕ ብር ክፈሉ ስለ ዝበልዎም  ጥሪቶምን ንብረቶምን ሸይጦም እቲ ዝተሓተትዎ ጉቦ ምስ ከፈሉ ክሳብ ሕዚ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ከወፅእዎም ከም ዘይከኣሉ ተገሊፁ፣

     ኣስታት 15 እሱራት ሓዱሽ ዓመት ክንልቀቕ  ኢና ብዝብል ብመንገዲ ቤተሰቦም ነቲ ዝተሓተትዎ ጉቦ ከፊሎም ከብቅዑ  ስለ ዘይተለቁ። ዝኸፍልናዮ ገንዘብ ምለሱልና ወይ ድማ ፍትሑና ክብሉ ብ4 ጥቅምቲ 2006 ዓ/ም ናብ ዝምልከቶም ምምሕዳር ኣብ ዝሓተትሉ። ተመሊሶም ንስኹም ንሓደ እሱረኛ 10 ሽሕ ጉቦ  ብሓፈሻ 150 ሽሕ ብር  ነቶም15 እሱራት ጉቦ ምኽፋልኩም ብገበን ክትክሰሱ ኢኹም እሎም ከም ዘፋራርሕዎም  ካብ ከተማ ጎንደር ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

    ካብቶም 10 ሽሕ ብር ከፊሎም ግን ከዓ ዘይተፈትሑ እሱራት ንምጥቃስ።
*     በጋሻው ታፈረ 10 ዓመት ዝተፈርደ ገበኑ ቅትለት
*     ኣሳምነወ መላኹ 12 ዓመት ዝተፈርደ ገበኑ ቅትለት
*     ኣንጋው ተሞላ 8 ዓመት ዝተፈርደ
*     ወ/ሮ ከበቡን ዝተበሃሉ ከም ዝርከብዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።