እቲ
ብ30 መስከረም 2006 ዓ/ም ብመራሕቲ ሰበ ስልጣን ወያነ ዝወፀ
ምልክታ። ዕድሚኦም ዘይኣኸለን ዓቕመ ኣዳም ንዘይበፅሑን ኣብ ክሊ
ዕድመ 14፤ 15ን፤ 16ን ዝርከቡ መዓንጣ ዘይቋፀሩ ህፃውንቲ። ናብ ውትህድርና ክኣትዉ ዘፍቅድ ኮይኑ ኣብ መላእ ሃገርና ኢትዮጵያ
ምስ ዘርግሕዎ ብህዝቢ ተሪር ተቓዉሞ ከም ዘጋጠሞም ተፈሊጡ፣
ኣብ
ክልል ኣምሓራ ኣብ ከተማ ባህርዳርን ደብረ-ማርቆስን 10ይን 12ተ ክፍሊ ዝውድኡን ነጥቢ
ንዘይመፀሎም ተምሃሮ ናብ ውትህድርና ክኣትዉ ካድረታት እቲ ስርዓት ይጉስጉስዎም ከም ዘለዉን ብፍላይ ነቶም ተምሃሮ ንምትላል
ዝጥቀሙሉ ዘለዉ ሜላ። ተግባሮም ናብ ምክልኻል ምስ ኣተኹም ዝተፈላላዩ ሞያታት ክትማሃሩ ኢኹም ዝብል ልሙድ ናይ
ሓሶት መብፅዓ ምዃኑ ካብተን ከተማታት ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ፣
ብወገን እቶም ተምሃሮ እዙይ ዘይትግበር መብፀዓ ኣመል መራሕቲ ወያነ‘ዩ ክብሉ ዝነፀግዎ ኮይንም ብፍላይ ናብ ዘይምልከቶም
ሃገረ ሶማልያ ተላኢኾም ዝሃለቁ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ሓደ ዓቢ መረዳእታን
ትምህርትን ኮይንና ኣሎ። እዚ ትብልዎን ትጥቀምሉን ዘለኹም ፕሮፖጋንዳ ድማ መቐፀልታ ሕሉፍ ተግባርኩም’ዩ ክብሉ ከም
ዝነፀግዎም ተፈሊጡ፣