Wednesday, October 16, 2013

ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ እግሮም ናብ ዝመረሖም ይጠፍኡ ከም ዘለዉ ካብ ዉሽጢ ስራዊት ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣




ኣብ ሰሜን እዝ ግንባር ባድመ ክፍለ ሰራዊት 23 ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ዕጥቆምን ብረቶም ሒዞም ለይትን ቀትሪን ብዘይምቁራፅ ይጠፍኡ ብምህላዎምን ብፍቓድ ናብ ቤተሰቦም ምስ ከዱ ብዘለዉዎ ይተርፉ ስለ ዘለዉን። ኣብ ዉሽጢ እታ ክፍለ ሰራዊት ዝርከባ መሳርዕ ሓይሊ ሰበን ተመናሚነን ተስፋ ዝቖረፁ መራሕቲ ጋንታን መስርዕን ክንእልሾም ኢሎም ምስ ከዱ ብዘለዉዎ ከም ዝሓቁ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣

 እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ላዕለዎት መኮነናት ስራዊት ስርዓት ኢህወዴግ ዉልቃዊ ረብሓን ጥቕምን ብዝመበገሲኡ ነንባዕሉም ምርድዳእ ዘይብሎም ኮይኖም። ብቐንዲ ከዓ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ወሰኽ መሃያ ክግበረሎም ኣብ ዘቕረብዎ ሕቶ ብላዕለዎት ኣዘዝቲ ተቐባልነት ኣብ ዝሰኣነሉ ኣብ ዉሽጦም ዓብዪ ወጥሪ ተፈጢሩ እናሃለወ ብዘይምርድዳእ ብምፍልላዮም። በዚ ኣብ ስምዒት ዝኣተዉ ኣዘዝቲ ሞራሎም ወዲቑ ንኣባላቶም ካብ ምቁፅፃርን ምትብባዕን ብምቑጣቦም ነቲ ምጥፋእ ኣጋዲድዎ ከም ዘሎ ካብ ውሽጢ እቲ ክፍለ ሰራዊት ዝወፀ ሚስጢር ኣፍሊጡ፣