ብመሰረት‘ቲ ሓበሬታ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ መተማ ፉሉይ ሽሙ ማንቲግ ኣብ ዝተብሃለ
ጎልጉል ሬሳ ኣርባዕተ ወገናት ተደርብዩ ምርካቡ ምስ
ገለፀ። ፈፀምቲ እቲ ቅትለት ገበን ኣብቲ ከባቢ ዝተዋፈሩ ኣባላት
ፖሊስ ምዃኖም ነበርቲ ናይቲ ስፍራ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ ምግላፆም ተፈሊጡ።
ብ3 ጥቅምት 2006 ዓ/ም ቀተልቲ ናይቶም ዜጋታት ንምፅራይ ኣብ ዝተገብረ
ኣኼባ ነበርቲ በብተራ እናተልዓሉ ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ ፈፀምቲ
ናይቲ እከይ ተግባር ኣባላት ፖሊስ ናይቲ ስርዓት ምዃኖም ካብቶም ብግልፂ ዝተዛረቡ ኣይተ ገብረመድህ ዳኘው ዝተበሃሉ ዜጋ ዝርከብዎም ዓበይቲ ዓዲ ናይቲ ከባቢ ምካኖም ተፈሊጡ፣።
ቅድም ክብል ኣብ ወረዳ መተማ ፍሉይ ሽሙ ሸዲ ኣብ ዝተብሃለ
ከባቢ ሓደ ኣባል ፖሊስ። ስራሕ ንምእላሽ ናብቲ ከባቢ ንዝኸዱ
ክልተ ንፁሃት ዜጋታት ገንዘብ ክኸፍልዎ ምስ ሓተቶም የብልናና ስለ ዝበልዎ ጥራይ ንክልቲኦም ብጥይት ተኩሱ ከም ዝቐተሎም ኣብ
ዝሓለፈ ዜናና ገሊፅና ምንባርና ይፍለጥ።