እቲ ብ3
ጥቅምቲ 2006 ዓ/ም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዝነቶገ ነታጒ
ዝሞቱ ዜጋታት ሶማላውያን ብምባል ከም’ቲ ብሚድያታት እቲ ስርዓት ዝተመሓላለፈ ዜና እንተይኮነስ፣ እቶም በቲ ነታጒ
ዝሞቱ ኢትዮጵያውያን ምኳኖም ብመንነት ወረቐቶም ከም ዝተረጋገፀ
ሽም ናይቶም ዝሞቱ ድማ ምክትል ኢንስፐክተር ሞላ መልኣኩ ዝበሃል
ኣባል ፖሊስን ኣይተ ሞገስ ኣስቻለው ዝተብሃለ ሲቪልን ምዃኖም ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ገሊፁ፣
እቲ ሓበሬታ
ወሲኹ። ናይቶም በቲ ነታጒ ዝሞቱ ወገናት ሶማላውያን
ብምባል ብማዕኸናት ዜና እቲ ስርዓት ዝተምሓላለፈ ዜና ንፖለቲካዊ ሃልኪ ተባሂሉ ብመርሕነት ኢህወዴግ ዝተምሃዘ ተንኮልን ምኳኑ። እዚ ከኣ ኣብ ሃገርና
ዝርከባ ሚድያታት ንሓቂ ንጎኒ ጎስየን ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ንህዝቢ ከም ዘመሓላልፋ ዘረድእ ዓቢ መርትዖ ምዃኑ ኣገንዚቡ፣
እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ምስዚ ዝተፈንጀረ ነታጒ ብምትሕሓዝ ኣብቲ
ከባቢ ኔርኩም ብዝብል ብዙሓት ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ካብ ስራሕ ቦትኦምን መንበሪ ገዝኦምን እናተጨወዩ ይእሰሩ
ምህላዎም።ካቶም ብዙሓት ንጊዚኡ ሽሞም ዝበፀሐና ፍስሃ ገብረዮሃንስ ደጋፊ ኢዴፓ፤ ኣብርሃ ታወቀን መርእድ ገብረስላሰን ዝተባሃሉ
ከም ዝርከብዎምን ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣