Wednesday, October 16, 2013

ተማሃሮ ካልኣይ ብርኪ ሽረ-እንዳስላሰ ኣንፃር ግዕዙይ ምሕዳራ ስርዓት ወያነ ዘቕነዐ ናዕቢ ከም ዘካየዱ ካብ’ታ ከተማ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣

እቲ ብ29 መስከረም 2006 ዓ.ም ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ብተማሃሮ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ፍረ-ስዉኣት ዝተኻየደ ናዕቢ መበገሲኡ ኣብታ ቤት ትምህርቲ ብሰንኪ ንምምሃር ምስትምሃር ዝዉዕል ቀረብ ማትርያል ዘይምህላዉ። ዉፅኢት ተማሃሮ ካብ እዋን ናብ እዋን እናቆልቆለ ክመፅእ ፀኒሑ ክሳብ ሕዚ ፍታሕ ክግበረሉ ብዘይምኽኣሉ። ነዚ ፍታሕ ንምምፃእ ናዕቢ ከካይዱ ከም ዝተገደዱ ንመራሕቲ እቲ ናዕቢ መሰረት ብምግባር ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ፣

እቶም ተማሃሮ ኣብቲ ዘካየድዎ ናዕቢ ክማላእ ኣለዎ ኢሎም ካብ ዝጠለብዎም። ኣብ መምሃሪ ክፍሊ እኹል ወንበር ክህሉ፤ መፅሓፍ ተማሃሮ ሕድ ሕድ ዓይነት ትምህርቲ ንተማሃራይ ክባፅሕ፤ ብርሕቐት ፕላዝማ ትምህርቲ ክማላእን ብቕዓት ዘይብሎም መምህራን ንኽእለዩን ዝጠልብ ከም ዝኾነ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ፣

ኣብቲ ናዕቢ ዘካየድሉ ግዜ ተማሃሮ ምስ ቤተሰቦም ብምዃን ዝርዝር ሕትኦም ናብ ርእሰ መምህር እታ ቤት ትምህርቲ ዘቕረቡ እንትኾኑ። ንሱ “ሕቶኹም ትኽክል እዩ ብሕፅረት ባጀት ሎሚ ክነማእልኦ ብዘይምኽኣልና ይቕሬታ ንሓትት። ንቐፃሊ ክማላእ እዩ” ብዝብል መታለሊ ምላሽ ከም ዘፋነዎም ተፈሊጡ፣

ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ሽረ ናይ ዓስራይ ክፍሊ መልቀቒ ፈታና ካብ ዝወሰዱ ሓደ ሽሕ ተማሃሮ እቶም 100 ጥራሕ ነጥቢ ምርካቦም ኣብ ከተማ ሽረ ዘሎ ከይዲ ትምህርቲ ባይታ ዘቢጡ ከምዘሎን እቲ ስርዓት ኮነ ኢሉ  ናብ ውትህድርና ንምምልማል ክብል ኣብ ውሽጢ መማህራን ብዘለዎ ዕሉላት ካድረታት እቲ ስርዓት ዝግበር ዘሎ ሽሒ እዩ ክብሉ ገለ ወገናት ካብ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ይዛረብሉ ከምዘለው ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣረዲኡ።