Tuesday, December 31, 2013

ኣብ ሽረ-እንዳስላሰ ብ20 ታሕሳስ 2006 ዓ.ም ዉድብ ዓረና ዝፀወዖ ህዝባዊ ኣኼባ ልኡዃት ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ከም ዘሰናኸልዎ ምንጭታትና ካብታ ከተማ ሓቢሮም፣




ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ንዝርከብ ህዝቢ  ጎስጓስ ንምክያድ ዉድብ ዓረና ወግዓዊ ብዝኾነ መንገዲ ዝፀወዖ ዓብዪ ህዝባዊ ኣኼባ ንምስንኻል፤ ኣመሓደርቲ እታ ከተማ ዘድሊ ቅድመ ምድላዉ ክገብሩ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብቲ ኣኼባ ዝካየደሉ ኣዳራሽ ባዕልቶምን ዕሱባቶምን ብኣካል ተረኺቦም እቲ ኣኼባ ንኽቋረፅ ዝከኣሎም ኩሉ ግብረ-እከይ ከም ዝገብሩ  ምንጭታትና ነቲ ተግባር ብኣካል ተዓዚቦም ኣብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ገሊፆም፣

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ዉድብ ዓረና ብ20 ታሕሳስ 2006 ዓ.ም ዝፀወዖ ኣኼባ ብነባሪ ህዝቢ ሽረ ዓብዪ ተቐባልነት ረኺቡ ካብ ሰዓት 2 (ክልተ) ንጎሆ ጀሚሩ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ናብቲ መእከቢ ኣዳራሽ ክዉሕዝ ኣብ ዝጀምረሉ፤ ከንቲባ ከተማ ሽረ ተኽላይ መረሳን ሓላፊ ድህንነት በየነን ምስ ፌዴራል ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ነቲ ተኣካቢ ህዝቢ ከይተፈተሽኩም ኣይተኣቱን ናይ መንነት ካርድ ዘይሓዘ ኣይኣቱን እናበሉ ኣሰናቢዶም ክመልስዎ ፈቲኖም ክኾነሎም ከም ዘይከኣለ ኣረዲኡ፣

በዚ ዘይሰለጦም ኮራኹርን ካድረታት ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ንኹሉ ዘዳለዉዎ መሰናኽል ብዓቕሊ ሓሊፉ ናብቲ ኣዳራሽ ዝዉሕዝ ቁፅሪ ህዝቢ እናዛየደ ምስ ከደ፤ ሓሳቦም ቀይሮም ናይ ኣባልነት ካርድ ይሓዝ ኣይሓዝ ዝኾነ ሰብ ክኣቱ ዝደሊ ይእቶ ኢሎም ንባዕሎም ነቲ መንግስትና ዝብልዎ ስርዓት ዝምረሐሉ ኣብ ሕገ መንግስቲ ንይምሰል ዝሰፈረ ናይ ምእካብን ሓሳብካ ብነፃ ናይ ምግላፅ መሰል ህዝቢ ንምዕፋን ከንቲባ ሽረ መረሳ ተኽላይን ሓላፊ ፀጥታ በየነን ምስ’ቶም ንክሕፍሹ ኣቐዲሞም ኣዋፊረሞም ዝፀንሑ ዕሱባት ብምዃን ናብ ዉሽጢ ብምእታው  ህዝቢ ዘምፅኦ ኣጀንዳ ንኸይሰምዕ እቲ መድረኽ ቅድሚ ብዝምልከቶ ኣካል ምኽፋቱ፤ “ዓረና ኣልቃይዳ እዩ! ዓረና ፀረ ህዝቢ ኣሸባሪ እዩ!” ወዘተ ክብሉ ፀኒሖም፥ ኣባል መሪሕነት ዓረና ኣስገደ ገብረስላሰ ዝዛረብሉ ዝነበረ ማይክሮፎን ብሓይሊ መንጢሎም ምስ ኣግደፍዎ እቲ ኣኼባ ብኡ ንብኡ ከም ተቛረፀ ምንጭታትና ወሲኾም ኣፍሊጦም፣