ኣብ
ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከባ መንግስታዊ ኣብያተ ፅሕፈታት ብሉፅ ስራሕ ኣፈፃፅማ ኣርእየን ተባሂለን ብፍሉይ ተሓርየን
ብሞዴልነት ንሽልማት ዝተረቁሓ፤ ኣብያተ ፅሕፈታት መንገዲ ገጠር፤ ሃፍቲ ማይ፤ ሓላዋ ጥዕና፤ጉሙርኹን ትምህርትን እንትኾና፤
እዘን ኣብያተ ፅሕፈታት ትልሚ ዕቤትን ስግግርን ትራንስፎርሞሽን ዕዉት ንኽኸዉን ዝከኣለን ገስጋስ ስራሕ ስለ ዝርኣያ
ንሰራሕተኛታተን ወሰኽ ደሞወዘ ክግብረልን ከም ዝኾነ በቲ ስርዓት ዝተኣወ መብፅዓ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ተግባራዊ ከም
ዘይኮነ ተገሊፁ፣
በቲ
ስርዓት ወሰኽ ደሞወዘ ክግብረለኩም እዩ ዝብል መብፅዓ ካብ ዝእተወልና ሽድሽተ ወርሒ ሓሊፉ ኣሎ ዝበሉ መምህራን ከተማ ኣዲስ
ኣበባ፤ እቲ ዘግርም ከዓ ናይ ሓሙሽትኤን ኣብያተ ፅሕፈታት ሰራሕተኛታት ወሰኽ መሃያ ከም ዝግበረልና ኣብ ሓደ መድረኽ ቃል
ተኣትዩልና ከብቅዕ፤ ነቶም ካልኦት ወሲኾም ንመምህራን ግና ከይወሰኹ ምትራፎም ካብኡ ናብኡ ክንድዚ ዝኣክል ኣፈላላይ ምዕዛቦም
ኣዚዮም ምሕዛኖም ንገለ ገለ መማህራን ብምውካስ ምንጭታትና ኣረዲኦም፣
በቲ
ዝፀነሐ ዉሱን መሃያ ምስ’ቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ መነባብርኦም ንምምራሕ ተፀጊሞም ስለ
ዝርከቡ፤ ነቲ ዝፈትዎ ሞያ መምህርነት ብሰንኪ ግዑዙይ ኣሰራርሓ እቲ ስርዓት ገዲፈሞ ክወፁ ከም መማረፂ ሒዘሞ ከም ዘለዉን
ብምረት ይዛረቡ ምህላዎምን እቲ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝበፀሐና ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ፣