Tuesday, December 31, 2013

ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ፀረ ህዝቢ መንግስቲ ኢህወዴግ ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን እናመንዝዑ ዉልቃዉን ቤተሰባዉን መነባብርኦም ኣብ ምጥጣሕ ተፀሚዶም ከም ዝርከቡ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣




ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ህዝባዊን ሃገራዉን ራኢ ዘይብሎም ጠላማት መርሕነት ኢህወዴግ ብመስዋትን ስንክልናን ንፁሃት ደቂ ህዝቢ ስልጣን ካብ ዝቆፃፀሩ ኣብ ዘሎ 23 ዓመታት ዉሽጢ፤ ናይ ስርዓት ለዉጢ  ብምግባር ቁጠባብዉን ማሕበራዉን ዕቤት ንኽርኢ ሃንቀዉ ዝብል ዝነበረ መላእ ህዝቢ ሃገርና ረስዖም፥ ነታ ዝርካባ ቁጠባ ሃገርና በብዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ብዘይንሕስያ እናሰረቑ መሕበጢ ጅብኦምን ካዝንኦምን ካብኡ ብዝሰገረ’ዉን ብሽም ደቆምን ቤተሰቦምን ዘይንቀሳቐስን ተቀሳቓሲን ዓበይቲ ትካላትን ንብረታትን ኣብ ዉሽጢ ዓድን ወፃእን እናስርሑ ቀፃሊ መነባብርኦም እንተመዓራርዕዩ፥ ዉፅዕ ህዝብና ቆላሕ ዝብሎ ስኢኑ ብድኽነትን ድሕረትን እናተገረፈ ከም ዝርከብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣

ከም መቐፀልታ ግዕዙይ ኣካይድኦም ከዓ፤ ቅድም ክብል ሚኒስተር ሓበሬታ ዝነበረ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ድማ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝብል ሓዱሽ ሽመት ዝተዋሃቦ ላዕለዋይ ካድረ በረኸት ስምኦን፤ ኣብ ከተማ ጎንደር ቀበሌ 01 ብልሙድ  ብሎኮ እናተበሃለ ኣብ ዝፅዋዕ ብልዕሊ 300 ሚልዮን ብር ወፃኢ “ላንድ ማርክ” ብዝብል ስያመ ሆቴል ኣስርሑ ን28 ታሕሳስ ከም ዝምረቐ እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ፣

እቲ ባዕሉ በረኸት ስምኦንን ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እቲ ክልልን ከም ዕዱማት ኮይኖም ዝረከብሉ  ስነ ስርዓት ምረቐ እቲ ሆቴል፤ ከይፍለጥ ተባሂሉ ብሽም ኢንጅነር ነጋ ዝተበሃለ ወዱ ንወናኒ ‘ጣፋጭ ኬክ ቤት’ ዝተሰረሐ ድኣ ይኹን እምበር እቲ ሓቂ ግና በዓል ዋና በረኸት ስምኦን ከም ዝኾነ ህዝቢ ከተማ ጎንደር ኣንዳዲዑ ከም ዝፈልጥ ንነበርቲ ከተማ ጎንደር መሰረት ብምግባር ዝበፀሐና ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ፣