Tuesday, December 31, 2013

ካብ ሃገረ ስዑዲ ዓረብ ዝተመለሱ ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ዜጋታት ቆላሕታ መንግስቲ ስኢኖም ንሕማቕ ኩነታት ተቓሊዖም ተባሂሉ፣




ብመሰረት እቲ ሓበሬታ መንግስቲ ሰዑድ ዓረብ ተሰዲዶም ኣብ ሃገሩ  ዝፀንሑ ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያዉያን ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ብነፈርቲ ምስ መለሶም፤ መንግስቲ ኢህወዴግ ነቶም ናብ ሃገሮም ዝተመለሱ ስደተኛታት ዘድሊ ኣቀባብላን መተሓሓዚ ገንዘብን ወፃኢ ንኽገብረሎም ብዝኣተዉዎ ስምምዕ መሰረት፤ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ካብ ዝተመለሱ ተወለድቲ ክልል ትግራይ ብጀካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ግዚያዊ መዕረፊ እንተዘይኮይኑ ኣብ ትግራይ ምስ በፅሑ ቁሊሕ ኢሉ ዝርእዮም ኣካል መንግስቲ ስኢኖም ክፃወርዎ ኣብ ዘይኽእሉ ፀገም ወዲቖም ከም ዝርከቡ ንፍላጥ ተኻኢሉ፣

እቶም ግዳያት ከም ዝገለፅዎ፤ ካብ ስዑዲ ዓረብ ተሰጒጎም መሬት ሃገሮም ካብ ዝረግፁ ክሳብ ሕዚ ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት መድረኽ እናኽፈቱ ዘረባታት ካብ ምዝራብ ዝሰግር ዝኾነ ተግባራዊ ሓገዝ ኣይረኣናን ምስ በሉ፤ ብፍላይ ከዓ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኪዱ ተባሂሎም ትግራይ ምስ ኣተዉ መተሓሓዚ ዝኸዉን ሓገዝ ኣብ ዝሓተትሉ፤ ዝኾነ ይኹን ብሓገዝ መልክዕ ዝወሃብ ከም ዘየለን፤ በቢ10 ተወዲቦም ፍሉጥ ወሓስ ብምግባር ብልቓሕ ንሓደ ሰብ 5 ሽሕ ብር ጥራይ ክወስዱ ከም ዝኽእሉ ስለ ዝተነገሮም፤ በቲ ኣፈፃፅማ ዉፃእ ዉረድ ዓቕሎም ፀንቂቖም ብዝፈጠረሎም ጭንቂ ህይወቶም ንምፅናሕ ኣተሓሳሳቢ ኮይኑዎም ከም ዘሎ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣