Tuesday, December 24, 2013

ብሰንኪ ፍታሕ ዝሰኣነ ምቁራፅ መብራህትን ኔት-ዎርክን ማሕበራዉን ኢኮኖሚያዉን ሃሰያ ይወርዶም ከም ዘሎ ንነበርቲ ከተማ ሑመራ መሰረት ብምግባር ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።




ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ መብራህቲ ኤሌክትሪክ ካብ ዝጠፍእ ነዊሕ ግዜ ኣቑፂሩ ኣብ ዘለሉ ኔት-ዎርክ’ዉን ካብኡ ብዘይንእስ ካብ ዝጠፍእ ከባቢ ሓደ ወርሒ ብምቑፃሩ፤ ነባሪ ሕብረተሰብ ዕለታዊ መነባርኡ ንምምራሕ ተፀጊሙ ከምዘሎ፤ ብፍላይ ከዓ ሰብ ዋና ትካላትን ነጋዶን ኤሌክትሪክን ኔት ዎርክን ካብ ዘቋርፅ ልሙድ ስራሕቶም ተሰናኺሉ ብምህላዉ ዝለዓለ ኢኮኖሚያዊ ሃሰያ የሰዕበሎም ኣሎ ክብል ካብታ ከተማ ዝበፀሓና ሓበሬታ  ወሲኹ ኣረዲኡ።

ኣብታ ከተማ ዝርከባ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት ከም ሆስፒታላትን ባንክታትን ብምኽንያት ስእነት ኤሌክትሪክ መብራህቲ ግቡእ ኣገልግልት ክህባ ብዘይምኽኣለን፤ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ዓብዪ ሕቶታት ኣብ ዘልዕለሉ ዉልቀ ሰብ ሃፍቲ ኩባንያታት ስለ ዝተኻርይዎ ምዃኑ ብሰፊሑ ይዝረበሉ እኳ እንተኾነ፤ ነቲ ፀገም ተኸታቲሉ ዝፈትሕ መንግስታዊ ኣካል ብዘይምህላዉ ነበርቲ መረረቶም ኣብ ምስማዕ ይርከቡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ ኣብ ከተማ ሑመራ ዝስተ ፅሩይ ማይ ካብ ዘቋርፅ ልዕሊ ክልተ ሰሙን ብምግባሩ ኣብ ፀገም ዝወደቑ ነበርቲ፣ ፅሬቱ ዘይሓለወ ማይ ካብ ወሓዚ ሩባ ተከዘ ቀዲሖም ክጥቀሙ ተገዲዶም ብምህላዎም፣ ዕለታዊ ህወቶም ኣብ ምምራሕን ጥዕንኦም ኣብ ምሕላዉን ቀሊል ዘይበሃል መሰናኽል የኸትል ከም ዘሎ ንሰብ ሞያ ጥዕና መሰረት ጌሩ ዝበፀሕና ሓበሬታ ኣረዲኡ።